'ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጥን' - ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን ክካየድ ብዝጸንሐ ኲናት ምኽንያት: ኣብቲ ክልል ብዙሕ ስደት፣ ምምዝባላትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምዘጋጠመን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት የጋጥም ከምዘሎን ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ፡፡
ብዛዕባ እቶም ኣብ ትግራይ ይፍጸሙ ኣለዉ ዝተባህሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይሊታትን ጸገም ጸጥታን ኣመልኪቱ ቢቢሲ ምስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ ጸንሒት ገይሩ ነይሩ፡፡
ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝበሃሉ ጾታዊ ዓመጻት
ነቲ ዝተፈጠረ ጎንጺ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ኣሻቐልቲ ክሲታት ከምዝበጽሑዎም ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም፡፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ፈደራል፡ ነቶም ከሲታት ዘጽንዕ ካብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ምኒስትሪ ጥዕናን ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊን ዝተዋጽኡ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ነቲ ክሲ ንምጽራይ ናብ ትግራይ ከይዶም ምንባሮምን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ከምዘረጋገጹን ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኢትዮጵያ ብትዊተር ሓቢራ ምንባራ ዝዝከር እዩ፡፡
‘‘በቲ ሕጊ ንምኽባር ተባሂሉ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣብ ትግራይ ዓብዪ ሓደጋ እዩ በጺሑ፤ ኩሎም ዓይነታት ኣብ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ወንጀላት እዮም ተፈጺሞም’’ ክብል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ ክብደት እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ተዛሪቡ፡፡
ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጾታዊ ዓመጻት ‘‘ ምስ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ ተታሓሒዙ ኣብ ኣሓዋትና ኣጋጢሙ ዘሎ ገበን፡ ኣብ ሆስፒታላት እውን ተመዝጊቡ ስለዘሎ ዘይከሓድ እውን ስለዝኾነን ምሰ ኮማንድ ፖስትን ምክልኻልን ኮይንና ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ንሰርሕ ኣለና’’ ኢሉ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮይኑ ግና ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተኣከበ ኣሃዛዊ መረዳእታ ገና ብቢሮ ጥዕና ይስነድ ከምዘሎን ‘‘ብዙሕ’’ ብዝብል ከምዝገልጾን ተዛሪቡ፡፡
ቅድም ክብል ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ፡ ሓደ ዶክቶርን ሓንቲ ኣባል ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ: ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት: ክልቲኦም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ኣስታት 200 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ ጾተዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመን ከምዝመዝገቡ ሓቢሮም።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ መላእ ትግራይ 108 ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠሙ ተኣሚኑ ነይሩ።
ጾታዊ ዓመጻት ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ዘጋጥሙ ዘለዎ ጸገማት፡ ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ክፈልጥዎ ከምዝተገበረን: ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ከምዘሎን ዝገለጸ ኣይተ ገብረመስቀል፡ ኣብቲ ክልል ካብ ካልእ ካባቢ ዝመጹ ዕጡቓትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ እሱራትን ብምህላዎም እቲ ገበን መን ፈጺምዎ ዝብል ምጽራይ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ፡፡
ወሰን ክልል ትግራይ ብዝምልከት
ብዶ/ር ሙሉ ነጋ ካሕሳይ ዝምራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ንጥፈታት መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዘካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታት ካብ ዝቐርቡሉ ተደጋገምቲ ሕቶታት እቲ ሓደ: ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ክመሓደር ዝጸንሐ ገለ ከባቢታት ናብ ክልል ኣምሓራ ብሓይሊ ክካለል ተገይሩ ዝብል እዩ፡፡ እዚ ጉዳይ ክልል ካብ ኣንደበት ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር እውን ይስማዕ እዩ፡፡
እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ግልጺ ዝኾነ ቅዋም ከምዘለዎ ዝገልጽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል፡ ‘‘ ካብቲ ህወሓት ዘመሓድሮ ዝነበረ ትግራይ ዝበሃል ክልል ቁራስ ሰንቲ ሜትር እውን ቀኒሱ ከመሓድር እውን ኣይኽእልን፤ እቶም ሒዞምዎ ዘለዉ ሓይሊታት ካብ ሸፋቱ ፈሊና ኣይንርእዮምን’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ምዕራባዊ፣ ገለ ክፋል ሰሜን ምዕራባውን ደቡባውን ዞባታት ትግራይ ምምሕዳር ንምጥያሽ ፈቲኖም ብፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ከምዝተኸልከሉ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ ‘‘ብዝተወደበ መልክዕን ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝምራሕ ስለዝኾነ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጥን’’ ብምባል ይኽስስ፡፡
‘‘እቲ ክልል ክሕተት እዩ፤ ብዙሕ ገበን እውን ይፍጸም ከምዘሎ እውን ብስልኪ ሪፖርት ይበጽሕና እዩ፡፡ ነቲ ክልል ኣምሓራ ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ ኣብ ሕጊ ደው ክነብሎ ኢና፡፡ ካብ መሬትና ክወጹ ጥራሕ ከይኮነስ ነዚ ዝፈጸሙ ኣመራርሓ ኣምሓራ ኣብ ሕጊ ጠጠው ክብሉ ኢና ንደሊ ’’ ኢሉ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ብሓይሊታት ኣምሓራ ተወሲዱ ዘሎ ከባቢታት ዝነብሩ ተጋሩ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ብሓይሊ ክፈናቐሉ ምግባር፣ ካብ መንበሪ ገዝኦም ምብራር፣ ምውቃዕ፣ ምቕታልን ምዝራፍን ዝኣመሰሉ ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ካብ ተፈናቐልትን ነበርትን ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን፡ እቶም ሓይሊታት ካብቲ ክልል ክወጹን ኩነታት ክመሓየሽን ምስ መንግስቲ ፌደራል ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ፡፡
ሓይሊታት ክልል ኣምሓራ ካብቲ ክልል ክወጹ ከምዝግበር መንግስቲ ፌደራልን መካላኸሊ ሰራዊትን ከምዝነገሩዎም ዝሕብር እቲ ሓላፊ፡ መዓዝ ዝብል ግን ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ፡፡
ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዉ ቦታታት ከምዘለዉ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣመሓዳሪ ናይቲ ክልል ኣቶ ኣገኘ ተሻገር፡ ብኣጋጣሚ መበል 125 ዝኽሪ በዓል ዓድዋ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብ ወልቃይት ጠገዴ ዝተገብረ ወግእ መንነት ንምርግጋጽ ዝተኻየደ'ምበር መሬት ንምውራር ኣይኮነን። ካብዚ ንደሓር ናጻ ወጺእና ኣለና" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ማዕከናት ዜና ክልል ኣምሓራ ብወገኖም፡ ኣቶ ተሻገር፡ ኣብ ማይካድራ፡ ሑመራ፡ ወልቃይት ጠገዴ፡ ዳንሻ፡ ራያ፡ ኣላማጣ፡ ኮረምን ካልኦት ከባቢታትን ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ብህወሓት ተመዛቢሉ ክብል ከምዝኸሰሰ ጸብጺቦም።
ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ድማ ‘‘ ግልጺ እዩ ህዝቢ ትግራይ ብዓይኑ ዝረኣዮ ስለዝኾነ፡ ዓበይቲ ገበናት ተፈጺሞም እዮም፤ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ናብ ትግራይ ኣትዩ እዩ፡፡ ንሕና እውን ክንሐልፍ ከለና ርእይና ኢና’’ ብምባል ብቕልጡፍ ክወጹ ኣለዎም ኢሉ፡፡
‘‘እዞም ሓይሊታት [ኣምሓራን ኤርትራን] ኣብ ትግራይ ኣትዮም እዮም፤ ገበን እውን ፈጺሞም እዮም፡፡’‘
ምትእትታው ሓይሊታት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝምልከት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣሉታዊ ምላሽ ክህቡሉ ምጽንሖም ይፍለጥ፡፡
ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጹ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቐረበሉ ጻውዒት ሉኣላውነት እታ ሃገር ዝጻረር ከምዝኾነ ብምግላጽ ተቓዊሙ እዩ፡፡
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከምዝሓበርዎ ገሊጹ'ሎ።
ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ጫፍ ናይታ ከተማ ዓስኪሮም ዝነበሩ ሓይልታት ኤርትራ ድሕሪ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ግብረመልሲ ንምሃብ ናብታ ከተማ ብምእታው፡ ገዛ ገዛ ብምእታውን ኣብ ጎደናታትን መንእሰያትን ሰብኡትን ከም ዝቐተለ እቲ ተጣባቒ ጉጅለ ይኸስስ።
ኤርትራ ነቲ ጸብጻብ ብትሪ ክትነጽጎ እንከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝተፈጸመ ጌጋ እንተ ሃልዩ ውሽጣዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ሰብኣዊ ቅልውላው
ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ፡ እቲ ጊዘያዊ ምምሕዳር ዝፈልጦም 299 ሽሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ዝገልጽ ኣይተ ገብረመስቀል፡ ኮይኑ ግና ዘይተመዝገቡ በብኸባቢኡን ምስ ኣዝማዶምን ዝተጸግዑ ሰባት ስለዘለዉን እቲ እቲ ቁጽሪ ብንጹር ንምፍላጥ ከምዘጸግም ተዛሪቡ፡፡
‘‘መዕቆቢ የብሎምን፤ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ገሊኦም ምስ ኣዝማዶምን ገሊኦም ድማ ፎቖድኡ መገዲ እዮም ዝሓድሩ፡፡ እቲ ሓገዝ እውን ብምኽንያት ፀጥታዊ ጉዳያት ጸገም የጋጥሞ ስለዘሎ ብኣግባቡ ንምብጻሕ እንጽገመሉ እዋን አዐርዩ ብዙሕ እዩ’’ ብምባል እቲ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ህይወት ንምድሓን ግን ይጽዕሩ ከምዘለዉን እዩ እቲ ሓላፊ ዝገልጽ፡፡
ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዘጓዓዕዛ ተሸከርከር ጥያይቲ ከምዝትኮስ ዝገልጽ ኣይተ ገብረ መስቀል፡ እቲ ዝትኩስ ኣካል መን እዩ ንዝብል ግን ነቲ ኮማንድ ፖስት ዝምልት እዩ ኢሉ፡፡
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝፍጸሙ ቅትለታት ተሓታቲ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት ከምዝፍጸም ሓበሬታታት ይወጹ እዮም፡፡ ነቶም ዝፍጸሙ ዘለዉ ቅትለታት ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ኮማንድ ፖስት ከምዝኾነ እዩ ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ ዝገልጽ፡፡
‘‘እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ እቲ ኮማንድ ፖስት እዩ ዘሎ፡፡ ስለዚ ድሕነት እተን ከተማታትን ህዝብን ናይ ምሕላው ሓላፍነት እዩ ተዋሂብዎ’’ ዝብል እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዝያዊ ምምሕዳር: ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ቅትለት ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ምጽራይ ይግበር ከምዘሎን ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር እቲ ክልልን ፌደራልን ስጉምቲ ክወስዱ እዮም ኢሉ ከምዝኣምንን ሓቢሩ፡፡
ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ተሓጋገዝትን
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጋዜጠኛታት ናብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ ኣትዮም ከይጽብጽቡ ከልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንገለ ሚድያታ ወጻኢ ፍቓድ ምሃቡ ዝዝከር እዩ፡፡
ኮይኑ ግና ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ሓዊሱ ምስ ናብቲ ክልል ዝኣተዉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ሚድያ ዝሰርሑ ሰባት ንምእሳር ግዘ ኣይወሰደሉን፡፡ እቲ ማእሰርቲ ሓላፊ ብልጽግና ክልል ትግራይ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ‘‘ሓቃዊ ዘይኮነ ሓበሬታ’’ ንሚድያታት ወጻኢ ዝህቡ ሰባት ስጉምቲ ከምዝውሰድ ምስኣፍለጠ እዩ ተፈጺሙ፡፡
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ፡ ማእሰርቲ እቶም ሰብ ሞያ ብድልየት እቲ ምምሕዳር ዝተፈጸመ ከምዘይኮነ እዩ ዝዛረብ፡፡
‘‘መንግሰቲ ዝደልዮም በዓል መን እዮም ዝብል ብዝርዝር ዝተቐመጠ እዩ፡፡ ቅዋም እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር፡ ብፌደራል ይተሓዙ ተባሂሎም ብዝርዝር ካብ ዝተቐመጡ ወጻኢ ማንም ሰብ ክእሰር የብሉን ዝብል እዩ፡’’ ዝበለ እቲ ሓላፊ: ማእሰር እቶም ጋዜጠኛታት ጌጋ ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ እዚ ጌጋ እዩ፤ ካብ ቅዋምን ኣንፈትን መንግስታት ፌደራልን እቲ ክልልን ወጻኢ እዩ፤ ኣብ ማእከል ኣትዮም ነዚ ዝፍጽሙ ሓይሊታት ከምዘለዉ ንሕና እውን ሓበሬታ ኣለና እዩ’’ ብምባል ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ተቓዊሙ፡፡
ብተወሳኺ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር እቶም ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ቅዋም ወሲዱ ምንባሩ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዝየዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ገብመስቀል ካሳ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







