ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ሎሚ ብዘይ ክሲ ነጻ ተለቒቑ

ኣብ ከተማ መቐለ ብወተሃደራት መንግስቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ሎሚ ብዘይ ክሲ ነጻ ተለቂቑ።
ግርማይ ገብሩ፡ ሰኑይ 1 መጋቢት 2021 ወታሃደራዊ ልብሲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተኸድኑ ወታሃደራት፡ ካብ ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምስ ካልኦት 4 ሰባት ተወሲዱ ነይሩ።
ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ከምኡ'ውን ከም ተርጎምቲ ኮይኖም ምስ ፋይናንሻል ታይምስን ኤ-ኤፍ-ፒን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሉላ ኣካሉን ፍጹም ብርሃነን'ውን ከምዝተፈትሑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ምኽንያት መእሰሪኦም ዛጊት ብወግዒ ኣይተገልጸን።
እቲ ኣባል ቢቢሲ ትግርኛ ዝኾነ ግርማይ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ማእሰርቲ ናብ ቤቱ ምምላሱ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ ምፍታሕ ናይቶም ብሰኑይ ምስኡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 4 ጎረባብቱ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ሰራዊት መንግስቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋጋእ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ፡ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ከይኣትዉ ንኣዋርሕ ኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንገለ ካብኦም ፍቓድ ምሃቡ ይዝከር።
ኤ-ኤፍ-ፒን ፋይናንሻል ታይምስን ካብቶም ናብቲ ክልል ክኣትዉ ፍቓድ ዝረኸቡ'ዮም።
ይኹን እምበር ሰራሕተኛታቶም ምእሳሮም ኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለም ኣስዒቡ'ዩ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንጻውዒት ሜድያታት ዓለም ብምድጋፍ፡ እቶም ጋዜጠኛታትን ተሓጋገዝትን ክፍትሑ ጸዊዑ ነይሩ።
ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነድ ፕራይስ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ጋዜጠኛታት ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ ፍቓድ ዘይቃዶ'ዩ ክብል ተሰሚዑ።
ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊቱ ንመቐለ ድሕሪ ምሓዝ፡ እቲ ዝኣወጆ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ረጽሚ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር። እቲ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣብታ ክልል ዝኣወጆ ህጹጽ ግዜ'ውን ጸኒዑ'ሎ።
እቲ ኲናት ሂወት ብኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ኣብቲ ክልል ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 60,000 ድማ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ተገዲዶም'ዮም።
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ኲናት ብኩሎም ወገናት ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝባሃሉ ግፍዕታትን ገበናትን፡ ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ፈጢርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ሻቕሎቱ ይገልጽ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብዓልስልጣን ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ "ኣብ ልዕሊ'ቶም ንዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ዘጋግዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







