ቴሌፎን ፕረዚደንት ፈረንሳ ሚስጢር ንዝሰርቕ ዘሎ ሶፍትዌር ፔጋሰስ ተቓሊዑ ምንባሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዓለም ዘዘራርብ ዘሎ ኣብ ቴሌፎናትኩም ዘሎ ሚስጢር ዝሰርቕ ሶፍትዌር ፔጋሰስ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኔኡል ማክሮን ዝጥቀመሉ ቴሌፎን’ውን ዒላማ ገይሩ ነይሩ ተባሂሉ።
ብርክት ዝበላ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ከም ዝጸብጸብኦ፡ ፔጋሰስ ካብ ዘጥቅዖም ኣስታት 50 ሽሕ ተጠቀምቲ ፕሬዝደንት ማክሮን ሓደ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ፈተነ ሓቂ እንተኾይኑ መንግስቲ ፈረንሳ ብዋዛ ከም ዘይርእዮ ኣጠንቂቑ።
እዚ ኣብ እስራኤል ዝተመሃዘ ሶፍትዌር ናብ ናይ ውልቀሰባት ቴሌፎን ብሕቡእ ሰይሩ ብምእታው ዋላ ሓደ ነገር ከየትረፈ ሚስጢራት ከም ዝሰርቕ ይዝረበሉ።
እዚ ድማ ናይ ድምጺ፣ ምስሊ ከምኡ’ውን ዝርዝር ናይ ቦታ መረዳእታታት ሰርሲሩ ብምውሳድ ንሳልሳይ ወገን የረክቦም።
ፔጋሰስ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኮይኑ ኤንኤስኦ ግሩፕ ዝተባህለ ኩባኒያ ዘፍረዮ’ዩ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኩባኒያ ዒላማ ናይ ዝገበሮም 50 ሽሕ ፍሉጣት ሰባት ዝርዝሮም ኣብ ኢድ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣትዩ ይርከብ።
እቲ ኩባኒያ ግን ዝፈጸምኩዎ ስሕተት የለን ይብል።
እቲ ሶፍትዌር ድማ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታትን ኣሸበርትን ክትትል ካብ ምግባር ወጻእ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ስለላ ከም ዘይገብር እቲ ኩባኒያ ይሕብር።
ዝፈርየሉ ዕላማ’ውን ንወተሃደራውን ካልኦት ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ድሕነትን ከም ዝኾነ እቲ ኩባኒያ ይጠቅስ።
ጋዜጣ ፈረንሳ ሉ ሙንድ፡ ኢማኑኤል ማክሮን ካብ 2017 ጀሚሩ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ቴሌፎን በዚ ሶፍትዌር ተጠሊፉ ነይሩ ክብል ጸብጺቡ።
ይኹን’ምበር ኣብ ዝርዝር ፔጋሰስ ምርካብ ናይ ግድን ቴሌፎንካ ተጠሊፉ’ዩ ማለት ከም ዘይኮነን ዒላማ ጥራይ ምዃንካ ከርኢ ከም ዝኽእልን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በዚ ሶፍትዌር ስልኮም ተጠሊፉ ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተረቑሑ ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፣ ፕሬዝደንት ዒራቕ ባራም ሳሊሕ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን፣ ግብጽን ሞሮኮን ይርከቡዎም።
ንጉስ ሞሮኮ’ውን ኣብዚ ዝርዝር ይርከብ።
ካብቶም 50 ሽሕ ፍሉጣት ሰባት ዓለምና ናይ ውልቂ መረዳእታ ናይተን 34 ሃገራት ላዕለዎት ሰብ መዚ ከም ዝተበርበረ ኣፋፍኖት ተረኺቡ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







