ጄቢኤስ፡ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ትካል ኣቕራቢ ስጋ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጄቢኤስ ዝተባህለ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ኩባንያ መመስርሒ ስጋ ዝተሓላለኸ ናይ ሳይበር-መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎ።
ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትካል ጄቢኤስ ዝርከባ ኮምፕዩተራት ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ናብ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ኣመሪካን ዝግበር ሰደድ ንግዚኡ ክቋረጽ እንከሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ካብ ስርሖም ክቦኽሩ ተገዲዶም ኣለው።
እቲ ናይ መበጆ ገንዘብ ዝጠልብ መጥቃዕቲ ኣብ ሩስያ ብዝርከብ ጉጅለ ገበነኛታት ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ንሓበሬታ እቲ ኩባንያ ብምጥቃስ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ሓቢሩ።
ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ሕጽረት ቀረብ ስጋ ከጋጥም ወይ'ውንዋጋታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ናይ መበጆ ገንዘብ ዝጠልቡ መጥቃዕትታት ሳይበር፡ ሰርሰርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ናብ ዝርከቡ መርበብ ኮምፕዩተራት ብምእታው፡ ገንዘብ እንተዘይተኸፊሎም፡ ሰነዳት ክድምስሱን ካልእ ሽግራት ክፈጥሩን ምዃኖም የፈራርሑ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤፍቢኣይ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣፈኛ ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፕየር ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ጄቢኤስ፡ መደበሩ ኣብ ሩስያ ክኸውን ብዝኽእል ትካል ገበን ናይ መበጆ ክፍሊት ከም ዝተሓተተ ኣፍሊጡ ኣሎ" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ "ዋይት ሃውስ ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምስ መንግስቲ ሩስያ ይሰርሕ ኣሎ፤ ሃገራት ንገበነኛታት ከዕቑባ ኣይግባእን" ኢላ።
ጄቢኤስ ነቲ መጥቃዕቲ-ሳይበር ኣብ ምፍታሕ ጽቡቕ ምዕባለታት ከም እተመዝገበን፡ ዝበዝሕ ክፍልታት እቲ ትካል ሎሚ ናብ ስራሕ ከምለስ ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ ኩሎም በቲ መጥቃዕቲ ዝተተንከፉ ስርዓተ ኮምፕዩተራት ብቕልጡፍ ደው ከም ዘበለን እቶም ናይ መተካእታ 'ሰርቨራት' ከም ዘይተሰርሰሩን ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







