ኣሜሪካ ምስ መጥቃዕቲ መርበብ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓድሽ እገዳታት ኣንቢራ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ ናይ መርበብ (ሳይበር) መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ዝኸሰሰ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓድሽ እገዳታት ከም ዘንበረት ኣፍሊጡ።

እቲ እገዳታት "ሩስያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንእትገብሮ ተጻባኢ ንጥፈታት" ንምግታእ ዝዓለመን ኣብ ገለ ሰበስልጣን መንግስትን ትካላትን ዘተኮረን ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

ኣሃዱ ስለያ ሩስያ ብድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ 'ሶላርዊንድስ' ዝተሰመየ ተግባራት ስርሰራ ምንባሮምን ሞስኮ ኣብ ምርጫ 2020 ኢዳ ከም ዘእተወትን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እታ ነቲ ክስታት እትነጽግ ሩስያ ብወገና፡ ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ክትህብ ምዃና ኣጠንቂቓ'ላ።

እቲ እገዳታት ብሓሙስ ብወግዒ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ንኣፈጻጽምኡ ዝምልከት ዝርዝራት ዘለዎ እዩ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን'ውን ክታሙ ኣንቢሩሉ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

line
line

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣሜሪካ ምስ ምምራዝ ሩስያዊ ተቓዋዊ ፖለቲከኛ ኣሌክሲ ናቫልኒ ብዝተኣሳሰር ንሸውዓተ ሰበስልጣን ሩስያን ብርክት ዝበሉ ትካላት መንግስትን ዒላማ ከም ዝገበረት ዝተገለጸ ኮይኑ ሩስያ ግና ነቲ ተግባር ከም ዘይወዓለቶ እያ ትገልጽ።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ተመጣጣኒ" ግብረመልሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብዚ ንላዕሊ ክንከይድ ከም እንኽእል ንፕረዚደንት ፑቲን ኣነጺረሉ እየ፤ ግና ከምኡ ኣይመረጽኩን" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "ኣሜሪካ ምስ ሩስያ ናብ ምንህሃርን ጎንጽን ዘምርሕ ስጉምቲ ክትወስድ ኣይትደልን" ድሕሪ ምባል መፍትሒኡ "ዝርርብን ዲፕሎማስያዊ መስርሕን" ምዃኑ ሓቢሩ።

መግለጺ 'ዋይት ሃውስ' ከም ዘነጸሮ፡ እቲ ሓድሽ እገዳ፡ ሩስያ "እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም እትገብሮ ናይ ተጻብኦ ተግባራት እንተቐጺላ" ኣሜሪካ "ስትራተጂካውን ኣብ ቁጠባ ጸላውን ብዝኾነ መገዲ" ጉድኣት ክተስዕበላ ምዃና ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሩስያ ናይ ሳይበር መጥቃዕትታት ከም ዝፍጽምን ኣብ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን "ንከይዲ ነጻን ፍትሓውን ደሞክራስያዊ ምርጫ ከነኣእስ" ምፍታኑ'ውን መግለጺ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

ብፍላይ ድማ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሩስያ (ኤስቪኣር) ነቲ 18 ሽሕ መንግስታውን ውልቃውን መርበብ ኮፕዩተራት ንናይ ሳይበር ገበነኛታት ዘቃልዐ መጥቃዕቲ ሶላርዊንድስ ከም ዝፈጸሞ ከሲሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ሩስያ ብድሕሪ እቲ ተግባር ምህላዋ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ናይ ሕጂ እገዳ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ኣሜሪካ ክጸልውን "ካልእ ዝንቡዕ ሓበሬታ ክዝርግሑ" ንዝፈተኑን 32 ትካላትን ሰበስልጣንን ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፤ ዓሰርተ ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ክባረሩ እዮም።