ፑቲንን ባይደንን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ፈላማይ ዘተ ብዛዕባ እንታይ ተዘራሪቦም?

ባይደንን ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዘዲንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነዘ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብቴለፎን ኣብ ዝገበሮ ፈላማይ ዘተ፡ ሩስያ ብዛዕባ ኣብ መረጻ ኣመሪካ እትገብሮ ኢድ ኣእታውነት ከምዘጠንቀቖ፡ ቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ እውን ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ ኣሎ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝወጸ ሓበሬታ ድማ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝተላዓለ ዝኾነ ዓይነት ምስሕሓብ ዘይሕብር ኮይኑ፡ እቲ ዘተ ግልጽን ናይ ስራሕ ዓይነት ከምዝነበረን የመልክት።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ኑክሌር ኣመልኪቱ ዝነበሮም ናይ መወዳእታ ውዕሊ ከናውሑ ከምዝተሰማምዑ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ምምሕዳሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝነበሮ ተሪር ቅዋም ብምልስላስ ብገለ ድማ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዝተፈለየ ቅዋም ነይሩዎ ብዝብል ይውቀስ ነይሩ።

ባይደን ምክትል ኮይኑ ዘገልገሎ፡ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ድማ ሩስያ ንክሬምያ ካብ ዩክሬን እንትትወስዳ ብዘይ ምክትታሉ፣ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ንዝነበሩ ዓመጽቲ ብምሕጋዝን ንመንግስቲ ሶርያ ብምድጋፍን ይውቀስ ነይሩ።

ኣብያተ ጽሕፈ እቶም መራሕቲ እንታይ ኢሎም?

ቤት ጽሕፈት ቤት መንግስቲ ኣመሪካ፡ "ሩስያ ንእትገብሮ ንዓናን ንፈተውትናን ዝጎድእ ተግባር፡ ኣመሪካ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ኣበርቲዓ ከምእትሰርሕ ፕረዚደንት ባይደን ግልጺ ገይሩ እዩ" ብምባል ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብሩስያ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ምስርሳር መፈልፈሊ ሓይሊ ጸዓት ንፋስን ምስማም ሩስያዊ ተቓዋሚ ኣለክሲ ናቫንሊን እውን ከምዝዛተዩ ኣመሪካ ኣፍሊጣ።

ካብ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዝወጽአ መግለጺ ድማ ፕረዚደንት ፑቲን "ምምሕያሽ ርክብ ኣመሪካን ሩስያን ድልየት ክልቲአን ሃገራት ዘማልእን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምሕላው ጸጥታን ምርግጋእን ዓለም" ዝህልዎ ረብሓ ከምዘስመረሉ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ብዘበነ ባራክ ኦባማ ዝነበረ ክልቲአን ሃገራት ክውንነኦ ዝኽእላ ከበድቲ ኣጽዋር ገደብ ዝገብር ውዕል እውን ተዘራሪቦም።

እቲ ውዕል ብኣቆጻጸራ ኣውሮጳ 5 ለካቲት ዘብቅዕ እኳ እንተኾነ ክልቲአን ሃገራት ግን ክናዋሕ ከምዝተሰማማዓ ተሓቢሩ።

እቲ ውዕል ክናዋሕ ፓርላማ ሩስያ ዝወሰነ ኮይኑ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ነቲ ውዕሊ ንምንዋሕ ፍቓደኛ ከይኮነ ተሪፉ ነይሩ።

ምንውሑ ዓለም ለኻዊ ወጥሪታት ንምህዳእ ከምዝሕግዝ እዩ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝዛረብ።