ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ጋራዥ መኻይን ንዝደቀሱ ወተሃደራቱ ይቕሬታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጸጥታ ንምኽባር ብዝብል ኣብ ካፒቶል [ህንጻ ኮንግረስ ኣመረካ] ዝተወፋሩ ገለ ኣባላት ሓለዋ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ናይ መካይን ደው መበሊ ስፍራ ደቂሶም ዘርኢ ስእልታት ብሰፊሑ ምስተበተነ ይቕሬታ ሓቱቱ።
ኣብ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን በዓለ ሽመት ልዕሊ 25 ሽሕ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ መላእ ዋሺንግቶን ዲሲ ተዋፊሮም ውዒሎም። ክንድኡ ዝኣክል ወተሃደር ዝተዋፈረ ብሰንኪ እቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ ናዕቢ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሓደ መካይን ደው ዝብላሉ ጋራዥ ተገዲሞም ዘርእዩ ስእልታት ቀልቢ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ስሒቦም ነይሮም።
እቲ ኩነታት ንገለ ፖለቲከኛታትን ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ኣቖጢዑ’ዩ። ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ሃገራዊ ድሕነት ጸዊዑ ይቕሬታ ከምዝሓተቶን እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ከምዝሓተቶን መራኸብቲ ሓፋሻት ኣመሪካ ጸብጺበን።
ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን ብግድኣ ናይ ዋይት ሃውስ ብሽኩቲ ከም ውህብቶ ንገሊኦም እቶም ወተሃደራት ከምዝበጽሓትሎምን ብውልቃ ከምዘመስገነቶምን ተሓቢሩ።
“ሎሚ መዓልቲ ናባኹም ክመጽእ ዝደለኹሉ ምኽንያት ንባዕለይን ስድራይን ስለዝሓለኹሙና ንኹለኹም የቐንየልና ክብል ስለዝደለኹ'የ” ከምዝበለቶም ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Tim Scott/twitter
ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ጋራዥ ደቂሶም ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብሰፊሑ ምስተጠቕዑ ንኣባላት ኮንግረንስ እንከይተረፈ ኣቖጢዑ።
እቶም ኣባላት ሓለዋ ንናይ መካይን ትኪ ምቅልዖምን ከም ሽቓቕ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ምዕስካሮምን ንብዙሓት ስኽፍታ ፈጢሩ’ዩ።
እቲ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣጋፊሑ ከይኸውን’ውን ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ካብቶም ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚኢቲ ዝኾኑ ኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል መዚ ኣመሪካ ንሮይተረስ ሓቢሩ።
ኣባል ዴሞክራት ዝኾነ ቹክ ስኩመር እቲ ክስተት ዘሕርቕ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ፍጹም ዳግማይ ከምዝይኽሰት ቃል ኣትዩ።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብወገኑ እቲ ኩነታት ምስኣጋጠመ ካብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ግዝኣት ናብ ዋሽንግቶን ንዝተለኣኹ ወተሃደራት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ካብ ዝጸውዑ ሰበስልጣን ሓደ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ክስተት ከመይ ከምዝተፈጠረ ይጻረ ከምዘሎ ዝሓበረ ድማ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ሮይ ብለንት’ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







