ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብትራምፕ ንዝጸደቑ ፖሊሲታትን ውሳነታትን ክቕይር ጀሚሩ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ባይደን ምስ ጉዳያት ኮሮናቫይረስ፣ ክሊማዊ ለውጥን ዓሌታዊ ማዕርነትን ብዝተሓሓዝ ውሳነታት ይፍርም ኣሎ

ፕረዚደን ጆ ባይደን ቃለ-መሓላ ፈጺሙ ናብ ቤተ መንግስቲ ካብ ዝኣትው ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ነቶም ቅድም ክብል ብዶናልድ ትራምፕ ዝጸደቑ ቀንዲ ፖሊሲታት ክቕይር ጀሚሩ።

መበል 46 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዝተመረጸ ባይደን ዛጊድ 15 ዓበይቲ ውሳነታት ፈሪሙ'ሎ። እቲ ቀዳማይ ከኣ ቅልውላው ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝውሰድ ስጉምቲ ይጥምት'ዩ።

ካልኦት ዝተቐየሩ መርገጺታት ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምስ ለውጢ ክሊማን ጉዳይ ስደተኛታትን ይተሓሓዙ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ረቡዕ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ንዝመረጽዎን ዘይመረጽዎን "ኩሎም ኣሜሪካውያን ፕረዚደንት ኮይኑ ከምዘገልግሎም" ቃል ኣትዩ።

ኣብቲ ስነስረዓት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ዘገልገሉ ባራክ ኦባማ፣ ቢል ክሊንተንን ጆርጅ ቡሽን ተረኺቦም ነይሮም።

እንታይ ውሳነታት ወይ መምርሕታት ፈሪሙ?

"ነቲ ዘጋጠመና ቅልውላው ክንፈትሕ እንተኾይንና ዝባኽን ጊዜ ኣይክህሉን" ክብል ብትዊተር መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ ድሕሪ ቃለ-መሓልኡ ናብ ቤተ መንግስቲ ዘምርሕ ዝነበረ ባይደን።

ስጉምቲታት ከምዝወስዱ ብምሕባር "ስጉምቲታትና ነቶም ብምምሕዳር ትራምፕ ዝሰዓቡ ጉድኣታት ንምቕያር ዘይኮነስ ንሃገርና ናብ ቅድሚት ክንወስዳ ንምጅማር'ዩ" ይብል ንውሳነታቱ ዝሓዘ መግለጺ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ገዝኡ ጂል ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ እናኣተዉ - 20 ጥሪ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ በዓልቲ ገዝኡ ጂል ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ እናኣተዉ

እቶም ስጉምትታት ከኣ ካብቲ ኣብ ኣሜሪካ ምኽንያት ሞት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝጅምሩ ተገሊጹ።

ኣብ ኩሎም ኣብያተ ዕዮን ትካላትን መንግስቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ኮነ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ግድን ክፍጸም ዘለዎ ተግባር ክኸውን'ዩ።

ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ቆይሙ ነቲ ለበዳ ኣብ ምቅላስ ዝግበር ምንቅስቓስ ከተሓባበር ከምኡ'ውን ነቲ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ክትወጽእ ብምምሕዳር ትራምፕ ተወሲኑ ዝነበረ ውሳነ ክእርም ናብ ስራሕ ከምዝኣትው ተፈሊጡ'ሎ።

ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝኽተብ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባይደን ኣብ ፈላሞት 100 መዓልታት ስርሑ 100 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ክኽተቡ ውጥን ኣለዎ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ነቲ ኣሜሪካ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢራ ክትሰርሕ ዘቐጽል ውሳነ "ዘሎ ድልየት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ዝተወሰነ "ብፍጹም ኣገዳሲ" ክብል ከምዝገለጾ ወሃቢ ቓሉ ስቴፋን ዱጃሪክ ሓቢሩ።

ባይደን ምምሕዳሩ ነቲ ኣንጻር ለውጢ ክሊማ ዝግበር ቃልሲ ቀዳምነት ከምዝህብ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ሃገሩ ናብቲ ናይ 2015 ስምምሕ ክሊማ ፓሪስ መሊሳ ክትኣትው ኣብ ዝገብር ውሳነ ድማ ፈሪሙ። ኣሜሪካ ብውሳነ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ምውጽኣ ይዝከር።

White space

ነቲ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝኾነ ገዚፍ መተሓላለፊ ነዳዲ ትቦ ['ኪስቶን ኤክስኤል ፓይፕላይን'] ዝተወሃበ ፍቓድ'ውን ባይደን ከምዝሰረዞ ተፈሊጡ።

እቲ ትቦ መተሓላለፊ ነዳዲ ካብ ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ዝበጽሕ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ተጣበቕቲ ሓለዋ ከባብን ኣሜሪካውያንን ተቓውሞ ክቐርበሉ ጸኒሑ'ዩ።

ባይደን ነቲ ውሳንኡ ብዝምልከት ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጃስቲን ትሩደ ዝገብሮ ፈላሚ ናይ ስልኪ ዝርርብ ምስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ክዝትየሉ ምዃኑ ፕረስ ሴክረታሪ ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ ገሊጻ።

ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሮጀክት ኪስቶን ኤክስኤል ፓይፕ ላይን ንዓመታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ክለዓል ምኽንያት ኮይኑ ጸኒሑ

እቲ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ትካል ፋይናንስ ዝግበር ትቦ ነዳዲ ክሳብ 8 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ይግመት። መዓልታዊ ከኣ 830,000 በርሚል ድፍድፍ (ዘይተጻረየ) ነዳዲ ካብ ኣልቤርታ ካናዳ ናብ ነብራስካ ኣሜሪካ የመሓላልፍ።

ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ፡ ባይደን ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘራኽብ ዶብ ንዝህነጽ መንደቕ ዘድልይ ገንዘብ ንኽልቀቕ ዘውጽኦ ህጹጽ ኣዋጅ ኣልዒልዎ'ሎ።

ኣብ ገለ ሙስሊም ሃገራት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ መገሻ'ውን ሰሪዝዎ።

ካልኦት ውሳነታቱ ድማ ንማዕርነት ዓሌትን ጾታን ከምዝጥምቱ ተፈሊጡ።

2px presentational grey line