ፈላሚት ጸላም፣ ኤስያዊት ጓለንስተይቲ ምክትል ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐት ካማላ ሃሪስ

ካምላ ቃላ መሓላ እንትፍጽም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካማላ ሃሪስ ፈላሚት ጸላም፡ ፈላሚት ኤስያዊት-ኣመሪካዊትን ፈላሚት ጓልኣንስተይቲን ምክትል ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ'ላ።

ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ትማሊ ዝተኻየደ ጽንብል መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ካማላ ሃሪስ ቅድሚ ፕረዚደት ጆ ባይደን ቃለማሕላ ፈጺማ።

ጆ ባይደን ሕጹይ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኮይኑ ድሕሪ ምዕዋቱ'ዩ፡ ምክትሉ ክትከውን መሪጹዋ።

እታ ጀማይካዊ መበቆል ዘለዋ ካማላ፡ ትማሊ ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ ነተን ኣብዚ ክትበጽሕ ዘኽኣልኣ ተቓለስቲ ደቂንስትዮ ብምምጓስ "ኣብ እንግድዐአን'የ ደው ኢለ ዘለኹ" ኢላ።

ጸዓዱ ደቂኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ 1920 ናይ ምድማጽ መሰለን ክረኽባ እንከለዋ፡ ጸለምቲ ደቂንስትዮ ግን ድሕሪ 1965 እየን ናይ ምድማጽ መሰል ረኺበን።

ካማላ ሃሪስ ኣብ መዓልቲ ቃለማሕላኣ ንምልክት ቃልሲ ደቂንስትዮ ዝነበረ ሊላ ሕብሪ ብዘለዎ ልብሲ ወቂባ'ያ ስራሓ ጀሚራ።

እታ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ዝነበረት ካማላ፡ ካብ ዝነበራ መንበር ወሪዳ በዚ ሕጂ ዘለዋ ሓላፍነት ፕረዚደንት ናይቲ ሰነት ስለዘኾነት ንሓደስቲ ኣባላት ሰነት ቃለማሕላ ንምፍጻም ብኡንብኡ'ያ ትማሊ ናብ ስራሕ ኣትያ።

ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ መን'ያ?

ካማላ ሃሪስ ቀዳመይቲ ጓል ኣነስተይቲን ጸላም ኣሜሪካዊት ምክትል ፕረዚደንትን ኮይና ምስ ተመረጸት እቲ ወትሩ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ገጻ መሊሱ'ዩ ደሚቑ።

ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተረጋገጸ: ኣብቲ ኣብ ናይ ውልቃ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሓቶ ተንቀሳቃሲ ምስሊ "ጆ ተዓዊትና፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮንካ" እናበለቶ ትረአ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰኔተር ናይ ካሊፎርንያ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንዲሞክራትስ ወኪላ ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ትሸባሸብ ነይራ።

ንጆ ባይደን ስዒራ ንውድድር ንኽትቐርብ ከኣ ልዕሊ ጆ ባይደን ጸብለል ክትብል ነይርዋ: እንተኾነ ኣይሰለጣን።

ጓል 56 ዓመት ካማላ ሃሪስ፡ እቲ መወዳድርታ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ ምስ መዘዛ ግን ብዙሓት የዕንቲ ዓለም ነታ ፍሽኽታ ዘይፍለያ ካማላ መዕለቢአን ገይረናኣ።

ኣብ 2013 ዳይሬክተር ርክባት ካማላ ሃሪስ ዝነበረ ጊል ዱራን "ንካማላ ዓቢ ዕድል'ዩ" ብምባል እዩ ዘረብኡ ዝጅምር።

"ብዙሓት ሰባት ናብ ዋይት ሃውስ ከእቱ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዋ ኣይመስሎሙን'ዩ እሞ ድማ ብደረጃ ምክትል ፕረዚደንት፡ ነዝን ንልዕሊኡን ዝኸውን ዓቕሚን ብቕዓትን ከምዘለዋ ግን ብንግህኡ ብሩህ'ዩ ነይሩ" ይብል።

ካማላ ንፕረዚደንትነት ንኽትወዳድር ትጉስጉሰሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ነቕ ዘይብል ሓቦ ሰኒቓ ምንባራ'ያ ትደጋግም ነይራ።

ካማላ ሃሪስ ምስ ኣዲኣን ንእሽቶ ሓፍታን

ምንጪ ስእሊ, Kamala Harris

መግለጺ ስእሊ, ካማላ ሃሪስ ምስ ኣዲኣን ንእሽቶ ሓፍታን

ብዙሕ ዝዓሌታ ካማላ ሃሪስ

ካማላ ካብ ህንዳዊት ኣደን ጀማይካዊ ኣቦን ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ፡ ወለዳ ስደተኛታታት ኮይኖም'ዮም ናብ ኣመሪካ ኣትዪም፡ ካማላ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮነት ኸኣ ተፋቲሖም።

ብድሕሪ እዚ ካማላ ምስታ ሽያማላ ጎፓላን ሃሪስ እትብሃል ህንዳዊት ኣዲኣ እያ ዓብያ።

ጎፓላን ሃሪስ፡ ተመራማሪት ሕማም መንሽሮን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላትን'ያ።

ካማላ ምስ ኣዲኣ ናብ ሃገረ ህንድ ትገይሽ ስለዝነበረት ባህሊ ናይ ህንዲ ትፈልጦ እያ እንተኾነ፡ ኣዲኣ፡ ንካማላን ንማያ ሓፍታን ልክዕ ከምቲ ኣነባብራ ናይቶም ኣብ ኦክላንድ ዝዓበዩ ጸለምቲ ገይራ ከምዘዕበየተን ካማላ ትዛረብ።

ካማላ 'ዘ ትሩዝ ዊ ሆልድ' ኣብ ዝብል መጸሓፍ ናይ ውልቃ ታሪኻ "ኣደይ ክልተ ጸለምቲ ቆልዑ ተዕቢ ምንባራ እያ ትፈልጥ" ኢላ ኣላ።

"ክልቴና ብመንነትና እንሕበን ገይራ እያ ኣዕብያትና"

እታ ኣመሪካዊት፡ ህንዳዊት፡ ጀማይካዊት፡ ጸላም ኮይና ዝዓበየት ካማላ ሃሪስ፡ ናብ ሃዋርድ ዩኒቨርስቲ ምስ ኣተወት ከኣ ነቲ ኣዲኣ ዘሰንቀታ ሓበን፡ ሓበን ወሲኻትሉ።

ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን ንካማላ ኣብ 1980ታት ኣብ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ እያ ትፈልጣ።

ብሓደ ኣብ ዝምሃራሉ ዝነበራ፡ ሓቢረን ሻሂ ይሰትያ፡ ፖሎቲካ ዛዕባታት የውግዓ፡ ብዛዕባ ዝመሰጠም ቅዲ ክዳን ሃረር ይባሃሃላ ይሓምያ ኸኣ'ባ ምንባረን ትዝክር።

ካማላ ሃሪስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ንዝሓሰበቶ ሰብ ናይ ምእማን ኣዝዩ ዝንኣድ ክእለት ነይርዋ፡ ሕጂ'ውን ምስኣ ኣሎ" ትብል ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን።

ሊታን ካማላን ክልቲአን ምስ ኣዲአን ጥራይ ስለዝዓበያ ናይ ሓባር ሮቋሒ ነይርወን'ዩ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ክልቲኤን ኮኾብ'ውን ሊብራ ስለዝኾነ እዚ'ውን እቲ ካልእ ሮቋሒ ኮይንወን።

ካማላ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበረትሉ ምስ ሪፓብሊካን ዓቢ ፖሎቲካዊ ክትዓት ተካይድ ምንባራ ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን ትዝክር።

"ኣብቲ እዋን ሬጌን'ዩ ፕረዚደንት ነይሩ፡ እዋኑ ኣብ ኣፍሪቃ ኣፓርታይድ ዝነበረሉ እዩ፡ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብዓላት ክብዓል ዝጀመረሉ ስለዝነበረ ዓቢ ፖለቲካዊ ክትዓት'ዩ ዝካየድ ነይሩ" ትብል ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን።

ካማላ ሃሪስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን፡ ካማላ ተካይዶ ዝነበረት ክትዓት ብቀጥታ'ውን ንዓኣ፡ ንወለዶኣ፡ ንኣተዓባብያኣን መተዓብይታን ዝውክል ስለዝነበረ መድረኽ ናይ ክትዓት ንኽትመልኽ፡ ሓሳብ ንኸተእምን ዘኽእልዋ ፍልስፍናታት ኣብቲ ዩኒቭርስቲ እንከላ ከምዝደለበቶ ትሕብር።

ካማላ ዝበዝሐ ህይወታ ጸዓዱ ኣብ ዝበዝሕዎ ቦታታት እያ ኣሕሊፋቶ።

መጀምርያ ኣብ ካናዳ ምስ ማያ ሓፍታ ኣብ ሞንትርያል ንሓሙሽተ ዓመት ተማሂራ (ኣዲኣ ኣብ ዩኒቭርስቲ ማክጊል ትምህር ስለዝነበረት እየን ናብ ካናዳ ዓዲ ቀይረን)።

ሃሪስ ንነብሳ ከተላሊ እንከላ "ኣመሪካዊት'የ" እናበለት ኣብ ዝኸደቶ ብመንነታ ሕብንቲ ኮይና እያ ሓሊፋቶ።

ኣብ 2019 ምስ ዋሽንግቶን ፖስት ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ፖለቲከኛታት ድሕረ ባይትኦምን ሕብሪ ቆርቦቶምን ከም ሓደ ሮቋሒ ናይ መወዳደሪ ክኸውን የብሉን ፡ ኣነ ኣነ እየ" ኢላ ነይራ።

ካማላ 'ሞማላ' ታሪኻዊ ሽም

ሰኔተር ካማላ ሃሪስ ኣብ 2014 ንጠበቃ ዳዉግ ኢምሆፍ ተመርዕያቶ።

ጠበቃ ዳዉግ ኢምሆፍ ንካማላ ሃሪስ ክምርዓዋ እንከሎ፡ ኮልን ኢላን ዝብሃሉ ካብ ካልእ ሰበይቲ ዝወለዶም ክልተ ቆልዑ ነይረሞ እዮም (ጓልን ወድን)።

ንኮልን ኢላን ካማላ ሃሪስ ሰይቲ ኣቦኦም እያ።

ካማላ ሃሪስ ምስ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 'ኢል' ዝተባሃለ መጋዚን ሰይቲ ኣቦ ምኳን እንታይ ከምጥዕም ዝገልጽ ሓደ ዓንቀጽ ድሕሪ ምጽሓፋ ኣብቲ ጽሑፍ ዝገለጸቶ 'ሞማላ' ዝብል ቃል ብዙሓት መዕከናት ዜና ኣርእስተን ገይረን ኣመጺአነኦ።

"ኣነን ዳውግ ምስ ተመርዓና፡ ኣነ ኮልን ኢላን እታ ሰይቲ ኣቦ ትብል ቃል ስለዘይፈተናያ 'ሞማላ' ኢሎም ክጽውዑኒ ተሰማሚዕና"

ሕጂ'ውን ዋላ ድኣ ምክትል ፕረዚደንት ኮይና ትመረጽ'ምበር እቲ 'ሞማላ' ዝብል ትሕበነሉ ስማ ምስኣ ኣሎ።

ኣብ ፖርድዩ ዩኒቭርስቲ ተሓጋጋዚት ፕሮፌስር ማሕበራዊ ስነፍልጠት ኣፍሪቃ ኣመሪካ ናድያ ብራውን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃል መሕተት "ካብቶም ተወዳዲሮም ዘይተዓወቱ፡ ካብቶም ኣወሃሃድቲ፡ ካብቶም ተወዳዲሮም ዝተዓወቱ፡ ካብ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት: ካማላ ሃሪስ ካብ ኩሎም'ያ ወሪሳ ካብ ኩሉ ከኣ ተማሂራ" ትብል።

ናድያ ብምስዓብ፡ ፋኔ ሉ ሃመር፡ ኢላ ቤከርን ሰፕቲማ ክላክን: ካማላ ኣሰረን ካብ ዝሰዓበትንን ካብአን ብዙሕ ትምህርቲ ዝቀሰመትለንን ምኳና ትምስክር።

"ዓወታ ታሪኻዊ'ዩ እንተኾነ ውጽኢት ናይ ብዙሓት ጸለምቲ ደቂ ኣነስትዮ እዩ"

እታ ኣዝዩ ብሉጽ ክእለት ዘረባ ዘለዋ ካማላ ሃሪስ

መማህርቲ ካማላ ሃሪስ ዝኺነት ሊታ ሮዛርዮ ሪቻርድሶን፡ ካማላ ሃሪስ ንኹሉ ኣላሽ ዘብል ክእለት ዘረባ ከምዝነበራ እያ ትዛረብ።

"ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ክትዓት (ኣብ ሆዋርድ ዩኒቭርስቲ) ኣብ ጎና ክኸውን ዝደፍፋእኒ ክእለት ዘረባኣን ትብዓታን'ዩ"

"ንጆ ባይደን 'ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይንካ' እናበለት ተርእዮ ዝነበረት ሰሓቕን ፍሽኽታን ከምታ ተማሃሪት እንከላ እያ ዘላ፡ ወትሩ ፍሽኽ"

ወዲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዶናልድ ትራምፕ ጁኔር ኣብ ትዊተር ንስሓቃ ርእዩ ክድህላ'ውን ብምሕሳብ "ካማላ ሃሪስ ንምንታይ ባዕላ ብዘዕለለቶ ዋዛ ትስሕቕ?" ኢሉ ምስ ጸሓፈ።

ንሳ 'ውን ንዶናልድ ትራምፕ'ውን ክትሃርም ስለዝደለየት ንወዲ ትራምፕ "ምስኡ [ዶናልድ ትራምፕ] ዓቢኻ ድኣ ዋዛ ኣበይ ክርድኣካ" ኢላ እያ መሊሳትሉ።

ካማላ ሃሪስ ናብ ዋይት ሃውስ

ኣኽባሪት ሕጊ ምንባራ ፖለቲከኛ ንኽትከውን ሓጊዝዋ እዩ፡ ግን ድማ ኩሉ ልሙጽ መንግዲ ኣይነበረን።

ብ 2003 ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዞባ ኣላመዳ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠበቓ እያ ንመጀመርታ ግዜ ከም ኣኽባሪት ሕጊ ኮይና ክትሰርሕ ጀሚራ።

ካማላ ሃሪስ፡ ኦክላንድ ካሊፎርንያ መጋቢት 28 1997

ምንጪ ስእሊ, The Mercury News via Getty Images

እዚ ድማ ኣብታ ብጻዕቒ ህዝቢ ኣዝያ ዝተፈለጠት ካሊፎርንያ ንመጀመርታ ግዜ ኣኽባሪት ሕጊ ኮይና ዝተመረጸት ጓል ኣንስተይትን ቀዳመይቲ ጸላምን ኣስምይዋ እዩ።

ካብዚ ጀሚራ ድማ እያ ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ክኢላ ከም ውጽኢቱ’ውን ኣብ 2017 ናይ ካሊፎርንያ ሰኔተር ኮይና ተሓርያ።

ካማላ ሃሪስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝፍጸም ዓሌታዊ ኣድልዎ ወትሩ ምስ ተቃወመቶ እያ።

ብፍላይ ንጓል 26 ዓመት ጸላም ኣሜሪካዊት ቤርዮና ታይሎር ዝቐተለ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ኣብ ትዊተር ትጽሕፎ ዝነበረት ብዙሕ ሰዓቢ ኣጥርዩላ’ዩ።

ካማላ ሃሪስ እዚ ብሜላ ዝግብር ዘሎ ዓሌታውነት (ኣብ ልዕሊ ጸለምትን ውሑዳትን) ደው ክብል ወትሩ ምስ ተማጎተታ እያ።

እታ ዘልዓለቶም ሓሳባት ብሰንኪ ሕብራ ብዙሕ ተቀባልነት ክስእኑ ዝጸንሑ ካማላ ሃሪስ ሕጂ ግን ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ ኮይና ነቲ ካብ ብንእሽተኣ ትቃላሰሉ ንዝነበረ መትከላት ደው ክትብል እያ።