ምርጫ ኣመሪካ፡ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ ሓደ ካብ ጸለውቲ ባእታት ምምሕዳር ትራምፕ ምዃነ'ዩ ዝግለጽ። ማይ ፐንስ ግን መን'ዩ?
ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፡ ቀንዲ መዝነታት ኣብ ምምዳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝገብሮ ርክባት ዉርጹጽ ምዃኑ ኣርእዩ'ዩ።
ዝበዝሕ እዋን፡ ኣርእሰተ-ዜና ካብምዃን ርሒቑ'ዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ንሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናይቲ ምምሕዳር ክመርሕ ብምጽንሑ፡ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ክስሕብ ተገዲዱ።
ማይክ ፐንስ፡ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጠፈር ብምውህሃድ፡ ንፖሊሲ ጠፈር ኣመሪካ ክከታተል'ውን ተመዚዙ ጸኒሑ'ዩ።
ጉዕዞ ማይክ ፐንስ ናብ 'ዋይት ሃውስ' (ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት) ኣብ ሓምለ 2016 እዩ ዝጅምር። እቲ ወዲ 57 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ (ክፍለሃገር ኢንዲያና) ዝርከብ ገዝኡ ምስ ትራምፕን ቤተሰቡን ድሕሪ ምርኻቡ፡ ሕጹይ ምክትል ክኸወን ተሓተቱ።
ስለምንታይ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን ከምዝተሓጽየ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ኣመሓዳሪ ክፍለሃገር ኢንድያና ዝነበረ ፐንስ፡ ብማሕበራዊ ዓቃባውያን ዝኾኑ ኣመሪካውያን ልዑል ደገፍ ዝነበሮን፡ ተመክሮ ዋሽንግተን ዝነበሮ'ዩ።
ቅድሚ ሕጹይ ፕረዚደንት ኮይኑ ምሕራዩ፡ ንገለ ፖሊሲታት ትራምፕ ብቕሉዕ'ዩ ዝነቕፎም ነይሩ።
ንኣብነት፡ ትራምፕ ንኣመንቲ ምስልምና፡ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዘውጽኦ እማመ፡ "ዘቐይምን ዘይቅዋማውን" ኢሉዎ። ኣብ ልዕሊ ሓደ መበቆል ሜክሲኮ ዘለዎ ዳኛ ቤት ፍርዲ ምዝላፉ "ዘይግቡእ" ክብል ተቓዊምዎ'ዩ።
ኣብዚ እዋን`ዚ ግን፡ ምክትል ፕረዚደንት ፐንስ፡ ነቐፌታ ብዙሕ ዘይመልቆ፡ እሙን ኣገልጋሊ ትራምፕ'ዩ ኮይኑ ዘሎ።
ኣብተን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ገለ ሓጎስጎጽ ከየጋጠሞ ግን ኣይሓለፈን።
ፈለማ ኣብ ማዕከናት ብኣሉታዊ ገጽ ዝወጸሉ፡ ምስቲ ኣመሓዳሪ ኢንዲያና እንከሎ፡ ዝተጠቕመሉ ናይ ብሕቲ ኢሜል ብዝተሓሓዝ'ዩ ነይሩ።
ነታ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ መቀናቕንቱ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን፡ ጸሓፊት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ናይ ስራሕ ጉዳያት ንምስላጥ ናይ ብሕቲ ኢሜል ተጠቂማ ኢሎም ብርቱዕ ነቐፌታ ካብ ዝሃቡ'ዩ ነይሩ። ዋላ'ኳ ከምቲ ናታ ምስጢራዊ ሐበሬታ ዘጠቓለለ እንተዘይነበረ፡ ግብዝና ኣርእዩ ተባሂሉ ነቐፌታታት ተደርብዩሉ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድማ፡ እቲ ኣብ ምርጫ 2016 ምስ ሩስያ ተመሻጢሩ ተባሂሉ ዝተመርመረ፡ ላዕለዋይ ኣመኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ዝነበረ ጀነራል ማይክል ፍሊን፡ ናብ መዝነት ክምለስ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ምግላጹ ተነቒፉ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምልብዑ ዝተራእየ ሻቕሎት ካብ መጠኑ ንላዕሊ "ዝተነፍሐ'ዩ" ምባሉ'ውን ተቓውሞታት ገጢምዎ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሊበራላዊ ድሕረ-ባይታ
እቲ ተኸታሊ እምነት ካቶሊክ ዝኾነ ፐንስ፡ ኣብ ከተማ ኮለምበስ፡ ኢንዲያና እዩ ምስ 5 ኣሕዋቱ ዓብዩ።
ኣብ 2012 ንሓደ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ከም ብዓል ፕረዚደንት ነበር ጆን ኤፍ ከነዲን፡ መራሒ ቃልሲ ንመሰላት ጸለምቲ ዝነበረ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጀንየርን፡ ናብ ፖለቲካ ዓለም ክኣቱ ኣርኣያ ከምዝኾንዎ ጠቒሱ ነይሩ።
እቲ ንርእሱ፡ "ክርስትያን፡ ዓቃባዊን ሪፓብሊካንን፡ ብመስርዕ" ኢሉ ዝገለጸ ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣብ 1980 ንኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ዝኾነ ፕረዚደንት ነበር ጂሚ ካርተር ከምዘድመጸ ድማ ተኣሚኑ።
ኣብ ኮለጅ ምስ ኣተወ ግን፡ ንብዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓደ ወንጌላዊ ቤተክርስትያን ምስ ረኸባ፡ ኣተሓሳስብኡ ክቕየር ጀሚሩ።
ማይክ ፐንስ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣመሓዳሪ ኢንዲያና ብምዃን ዘገልገለ ኮይኑ፡ ቅድሚኡ ን12 ዓመት ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረ እዩ።
ኣብተን ኣብ ዋሽንግተን ዝጸንሓለን ክልተ ናይ መወዳእታ ዓመታት ድማ፡ ኣቦመንበር ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ኮይኑ ሰሪሑ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ባይቶ (ብሰልፊ ደረጃ) መበል 3ይ ደረጃ መሪሕነት'ዩ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ንሱ ዝውክሎ ሰልፊ ናይ ዝርከብ ሪፓብሊካዊ ጉጅለ መጽናዕቲ: ኣቦመንበር ኮይኑ ምስርሑ'ውን፡ ምስቶም ንክርስትና ትራምፕ ዝጠራጠሩ ዝነበሩ ዓቃባውያን ክርስትያናት ከራኸብ ዕድል ከፊትሉ'ዩ።
ኣብቲ ናይ 2016 ምርጫ ክወዳደር ድልየት ከምዝነበሮ'ውን ይግለጽ'ዩ። ኣብ 2009 እውን ኣብ ገለ ክፍለሃገራት ብምጻሕ ኣኼባታት ምግባሩ፡ ኣብ 2012 ንፕረዚደንት ክወዳደር'ዩ ይበሃለሉ ነይሩ።
ኣብ 2016 ምስ ትራምፕ ምስ ተጣበቐ ግን፡ ኣብ ጎኒ ትራምፕ ብምዃን፡ ጽዑቕ ጎስጓስ ከካይድ ተራእዩ። ኣብ መዓልቲ ኣብ ሓያሎ ክፍለሃገራት ብምኻድ ኣኼባታት መሪሑ።
ሓደ ካብ ቀንዲ ተራኡ ድማ፡ ትራምፕ ኣብ ቅልውላዉ ኣብ ዝኣትወሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓያል ደገፍ ምሃብ'ዩ ነይሩ። ትራምፕ፡ ደገፍቱ ኣንጻር ሂላሪ ክሊንተን ብረት ከልዕሉ ዘስምዕ ዘራባ ድሕሪ ምቅልሑን፡ ወዱ ንስደተኛታት ድሕሪ ምንእኣሱ ምድጋፉን፡ ፐንስ ኣብ ጎኑ ብምዃን ተኸላኺልሉ።
ኣንጻር ትራምፕ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝተወልደሉ ሃገር ብዝምልከት'ዩ። እቲ፡ ኦባማ ኣብ ኣመሪካ ኣይተወልደን ብምባል ሰፊሕ ጉስጓስ ዘካየደ ትራም፡ ደድሕሪ ፐንስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓሳቡ ክቕይር ተገዲዱ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣካታዒ ዝኾነሉ ጉዳያት
ኣመሓዳሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንክርስትና ዝከላኸል ሕጊ ምጽዳቑ፡ ዓቢ ተቓውሞታት ገጢምዎ ነይሩ።
ተቓወምቱ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ሕጊ ንማሕበረኮም ኣፍቀርቲ ሕደ-ጾታን ካልኦትን ዘወግን እዩ። እቲ ሕጊ፡ እምነቶም ዘየፍቅደሎም ሰራሕተኛታት ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀሰባት ኣብ ትካላት ንግዲ ምእንጋድ ክኣብዩ መሰል ዝህብ'ዩ ነይሩ።
ተቓውሞ ዝበርትዖ ፐንስ፡ ነቲ ሕጊ ብምምሕያሽ፡ ሰራሕተኛታት ኣፍቀርቲ ሕደ-ጾታ ኣገልግሎት ምሃብ ክኣብዩ ከምዘይብሎም ድሕሪ ምግባሩ'ውን፡ ካብ ጥልመት ዝተሰምዖም ዓቃባውያን ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ።
ማይክ ፐንስ፡ ንምንጻል ጥንሲ'ውን ኣትሪሩ'ዩ ዝቃወሞ። እቲ ዓቃባዊ ክርስትያን ዝኾነ ኣመሓዳሪ ነበር፡ ኣብ ክፍለሃገር ኢንዲያና እቲ ዝተረረ ናይ ምንጻል ጥንሲ ሕጊ ኣጽዲቑ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ብሓደ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ከምዝስረዝ ኮይኑ'ዩ።
ኣብ 2017፡ ማይክ ፐንስ፡ እቲ ንመጀመርታ እዋን፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዝካየድ ንምንጻል ጥንሲ ዝቃወም ሰልፊ ዝተሳተፈ ናይ መጀመርታ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ።
ኣብ 2012 እውን፡ ነቲ ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝጸደቐ 'ኦባማኬር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ምስቲ ኣብ 2001 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ መጥቃቲ ግብረሽበራ 9/11 ምምስሳሉ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ ነይሩ።
ድሒሩ ግን ከምኡ ምባሉ ጌጋ ምዃኑ ብምእማን፡ ይቕሬታ ሓቲቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







