ንጆርጅ ፍሎይድ ብምቕታል ተጠርጢሩ ዝተኣስረ ፖሊስ ብሓደ ሚልዮን ዶላር ዋሕስ ተፈቲሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንጆርጅ ፍሎይድ ብምቕታል ተጠርጢሩ ዝተኣስረ ዴሪክ ቻውቪን፡ ትማሊ ረቡዕ ብሓደ ሚልዮን ዶላር ዋሕስ ተፈቲሑ።
እቲ ውልቀ ሰብ ብ25 ግንቦት ንጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ከተንፍስ ኣይክእልን ኣለኹ ኢሉ እናተጣረዐ ንሸሞንተ ደቓይቕ ኣብ ክሳዱ ረጊጹ ብምቕታሉ ዝተኸሰ እዩ።
ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብላክ ላይቭስ ማተር፤ "ጸሊም ህይወት ክብሪ ይግበኦ እዩ" ዝብል ሰፊሕ ዓለማዊ ናዕብን ምንቅስቓስን ኣኸቲሉ።
ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ካብ ስርሑ ዝተባረረ ዴሪክ ቻውቪን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብኻልኣይ ደረጃ ቅትለት (ብዘይተሓለነ ቅትለት) ብይን ክወሃቦ እዩ።
እቶም ካብ ስርሖም ዝተባረሩ ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ መኮንናት፡ ጄ አሌክሳንደር ኩዬንግ፡ ቶማስ ሌንን ቱ ቱን ድማ ኣብቲ ቅትለት ብምትሕብባር ክሲ ተመስሪቱሎም ኣሎ። ንሳቶም'ውን ዋሕስ ኣቕሪቦም ክሳብ ንዓመታ ዝፍረዱ ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ኣለው።
ቻውቪን፡ ካብ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ሚኒሶታ፡ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ኦክ ፓርክ ሄይትስ እዩ ተታሒዙ ጸኒሑ።
ዳኛ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ብ$1.25 ሚልዮን ዋሕስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክወጽእ ከምዝኽእል ፈሪዱ ነይሩ።
ሕጂ ኸኣ ብሓደ ሚልዮን ዶላር ክወጽእ ተፈቒድሉ። እንተኾነ ግን: ናብ ስድራ ቤት መዋቲ ከይቀርብ፡ ኩሉ ዕጥቁ ከረክብ፡ ኣብ ዝኾነ ትካላት ጸጥታ ከይሰርሕ ብዝእግድ ቅድመ ኩነት እዩ ክሳብ ዝፍረድ ተፈቲሑ ኣሎ።
ሚር ቻውቪን ኣብ ዕለተ ቆጸራ ፍርዲ እንተዘይተረኺቡ እቲ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ኣታዊ ክኽውን እዩ።
ወኪል ጆርጅ ፍሎይድ፡ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት በን ክራምፕ፡ ናይ ሚስተር ቻውቪን ምፍታሕ፡ ካብቲ ስድራ ጆርጅ ፍሎይድ ዝጽበዩዎ ዘለው ፍትሒ ኣዚና ርሑቕ ከምዘለና "ዘቐንዙ መዘኻኽሪ'ዩ" ኢሉ።
ክራምፕ " ዋላ'ካ ጆርጅ ፍሎይድ ብህይወት ናይ ምንባር ፍትሒ እንተተነፍገ፡ ንሕና ግን ክሳብ ምሉእ ፍትሒ እንረክብ ኣይክንድቅስን ኢና" ክብል ቁጠዐኡ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኩሎም ክሱሳት ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ክቐርቡ እኳ እንተተወሰነ፡ ዳኛ ግን ኣብ ክንዲ ኩሎም ብሓንሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክፍረዱ ምዃኖም ሓቢሩ።
እቲ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ዝገበሮም ክስተት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዓሌታዊ ኣድልዎን ፍልልይን ዓሚቚ ቁስሊ ከምዘሎ ኣርእዩ እዩ።
እቲ ብላክ ላይቭ ማተር ዝብል ኣብ ገሊኡ ናብ ህውከት ዝተቐየረ ሰልፍታት ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ኣብ አሜሪካ ዝግበር ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







