ትራምፕን ባይደንን ብሰንኪ ኣብ ጎደና ዘጋጠመ ናዕቢ ተጓኒፆም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መነሓንሕቱ ጆ ባይደንን፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ከተማ ፖርትላንድ ተወሊዑ ዘሎ ተቓውሞታት ተሰሓሒቦም።
ትራምፕ ነቲ ካብ ሰልፊ ዲሞክራት ዝኾነ ከንቲባ ፖርትላንድ ቴድ ዊለር "ኣብ ከተምኡ ሞትን ዕንወትን ፈቒዱ" ብምባል ወቒስዎ።
ጆ ባይደን ግና፡ እቲ ፕረዝደንት "ብዕሽሽታ ናዕቢ የተባብዕ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ከተማ ፖርትላንድ ደገፍቲ ትራምፕ ንመሰል ፀለምቲ ምስ ዝሟገቱ ተቃወምቲ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ድሕሪ ምጉናጾም ድማ፡ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ከምዝሞተ ይዝከር።
ኣብቲ ዝሓለፈ 25 ጉንበት፡ ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ብፖሊስ ካብ ዝቕተል ንደሓር፡ ከተማ ፖርትላንድ፡ ማእከል ተቓውሞ ኣንጻር ብፖሊስ ዝፍፀም ጭካነን ዓሌታውነትን ኮይና ኣላ።
ከንቲባ እታ ከተማ ቴድ ዊለር እውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝግበሩ ሸበድበዳት፡ ሕነ ንምፍዳይ ናብታ ከተማ ንዝመፅኡ ሰባት ኣጠንቂቑ ኣሎ።
"ኣቱም ሎሚ ንጉሆ ብትዊተር ሕነ-ንምፍዳይ ናብ ፖርትላንድ ንምምፃእ ተሊምኩም ዘለኹም ረሓቑ" ኢሉ።
ነቲ ብፕረዝደንት ትራምፕ ዝቐረበሉ ነቐፌታ ድማ፡ "ፕረዝደንት ኣሜሪካ እንድዩ ነዚ ምክፍፋልን ፅልእን ዝፈጠረ። እቲ ፕረዝደንት ዘይሕግዘና እንተኾይኑ ካብ'ዚ ይርሓቐልና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ገለ ነጠፍቲ ድማ፡ እቲ ከንቲባ ነቲ ተቓውሞታት ኣብ ምህዳእ ብቑዕ ስለዘይነበረ ካብ መዝነቱ ክወርድ ፀዊዖም።
ትራምፕ፡ ትማሊ ሰንበት ብመገዲ ትዊተር "ፖርትላንድ ዓሻ ከንቲባ ሒዛ ብፍፁም ክተንሳእርር ኣይትኽእልን" ብምባል ናብታ ከተማ ኣካላት ፀጥታ ፌደራል ክኣትዉ ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ባይደን "ክመርሕ ፍቓደኛ ኣይኮነን" ክብል' ውን ንመነሓንሕቱ ከሲሱዎ።
ቅድም ክብል፡ ሰልፊ ዲሞክራትስ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ናዕቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ ከምዝኾነን፡ ትራምፕ እውን ብዝገብሮ መደረታት ነቲ ኩነታት የጋድዶ ከምዘሎን ገሊፆም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







