ትራምፕ ናብ’ታ ጸሊም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብሌክ ብጥይት ዝተወቕዓላ ከተማ ክበጽሕ’ዩ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ናብ’ታ ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን እትርከብን፡ ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ብፖሊስ ኣብ ሕቖኡ ተወቒዑ ከቢድ መጉዳእቲ ምስበጽሖ ኣብ ዕግርግር ኣትያ እትርከብን ከተማ ክበጽሕ እዩ።

ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ከተማ ኬኖሻ ጽባሕ ሰሉስ እዩ ምብጻሕ ክገብር።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝራኸብን በቲ ዝነበረ ተቓውሞታት ንዘጋጠመ ማህሰይቲ’ውን ክግምግም ምዃኑን ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ብፖሊስ ብሸውዓተ ጥይት ዝተወቕዐ ጸሊም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብሌክ ኣካሉ ዝለመሰ ኾይኑ፡ ዳግም ክንቀሳቐስ ይኽእልዶ ኣይኽእልን ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ልዕሊ ብሌክ ዘጋጠመ መውቃዕቲ፡ ኣብ ከተማ ኬኖሻን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካን፡ ገለ እዋናት ሓይሊ ዝተመልኦ ተቓውሞታት ክለዓል ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።

ኣብ’ዚ ዓመት፡ ኣንጻር ዓሌታውነትን ጭካነ ፖሊስን ተቓውሞታት ክግበር እዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ድማ፡ ጆርጅ ፍሎይድ ዝበሃል ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ ምስሞተ፡ ሓያል ተቓውሞታት ተላዒሉ እዩ።

ብዛዕባ ምብጻሕ ትራምፕ እንታይ ንፈልጥ?

እቲ ፕረዚደንት ምስ ፖሊስ ናይ’ቲ ከባቢ ክራኸብ ምዃኑን ነቲ ዝበጽሐ ማህሰይቲ’ውን ክግምግም ምዃኑን ውሃቢ ቃል ቤተመንግስቲ ኣመሪካ ጁድ ዲር ገሊጹ’ሎ።

'እቲ ፕረዚደንት ምስ ስድራ ናይቲ ብፖሊስ ዝተወቕዐ ጸሊም ኣመሪካዊ ክራኸብ ድዩ?' ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዲር፡ ገና ኣይተረጋገጸን ዝብል መልሲ ሂቡ።

ትራምፕ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ ብዙሕ ኣይተዛረበሉን።

ብዓርቢ፡ 'እቲ ንብሌክ ዝተኮሰሉ ፖሊስ ክኽሰስ ኣለዎ ዶ?' ተባሂሉ ዝተሓተተ ትራምፕ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሎን ጸብጻባት ይቐርብሉ ምህላዉን፡ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመ’ውን ከምዘይፈተዎን እዩ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዳግማይ ንክምረጽ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጎገጓሳት፡ ብዛዕባ ሕግን ስርዓትን ኣትሪሩ እዩ ዝዛረበሉ ዘሎ።

ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝገበሮ ዘረባ “ኣብተን ሰልፊ ዴሞክራት ዘመሓድርወን ከተማተት ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ዘመተ፡ ምቅጻል ህንጻታትን ዕግርግርን” ኮኒንዎ እዩ።

ኣብ’ቲ ዘረብኡ ድማ ንከተማ ኬኖሻን ካልኦትን ጠቒሱ ነይሩ።

ግዝኣት ዊስኮንሲን፡ ሰልፍታት ዴሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝስዕሩላ ግዝኣት እያ።

እታ ግዝኣት ንኦባማ ክልተሻብ ዝመረጸቶ ኾይና፡ ኣብ 2016 ድማ ትራምፕ ብ 20,000 ድምጽታት ጥራይ ጸብለል ኢሉ ዝተመረጸላ ግዝኣት እያ።

ኣብ’ታ ከተማ እንታይ ምዕባለ ኣሎ?

ትማሊ ቀዳም፡ ኣስታት 1,000 ዝኾኑ ሰባት ናብ ኣደባባያት ከተማ ኬኖሻ ወጺኦም “ህይወት ጸለምቲ ዋጋ ኣለዎ” እናበሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ወላዲ ናይቲ ብጥይት ዝተወቕዐ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ሰልፈኛታት ወዱ ፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝጽውዕሉ እዋን ብሰላማዊ መገዲ ክንቀሳቐሱ ምዒዱ።

ልዕሊ 1,000 ዝኾኑ ወታሃደራት ኣብ’ታ ከተማ ተዋፊሮም ዘለዉ ኾይኖም፡ መብዛሕተኦም ካብ ካልኦት ግዝኣታት ዝመጹ ምዃኖም ሮይተርስ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ’ሎ።