መረጻ ኣመሪካ፡ መላፍንቲ ትራምፕ ግራሃም፡ ንምጉት ቤት ፍርዲ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ከወፊ'ዩ

መላፍንቲ ዶናልድ ትራምፕ ግራሃም ንምጉት ቤት ፍርዲ ዝውዕል ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣወፍዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባል ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ኮይኑ ንካልኣይ ግዜ ዝተመረጸ ኣባል ሪፐብሊካን ሊንደሰይ ግራሃም፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝገብሮ ምጉት ዝውዕል ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ከወፊ እዩ።

ኣብ ደቡብ ካሮሊና ንካልኣይ ግዜ ኣባል ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ኮይኑ ዝተመረጸ ሊንደሰይ ግራሃም ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ዋላ እኳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይሃበ “እቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “ሎሚ ምስቲ ወትሩ ኣብ ጎነይ ደው ዝብል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ደው ኢለ ኣለኹ። ኣብ ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ዝበዛሕና ካብ ሪፓብሊካን ክንከውን ዝኸኣልና ሳልኡ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ናብቶም ሕጋውያን ኣማኸርቲ ዝሰጋገር ፍርቂ ሚልዮን ዶላር፡ ካብ ውልቃዊ ትካል ሊንደሰይ ግራሃም ዝተወፈየ ምዃኑ’ውን ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ገና ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ዘይተነገረ ምርጫ ኣመሪካ፡ ኣብ ብዙሓት ክፍለ ግዝኣት ግሉጽነት ኣይነበሮን ብምባል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከም ዝኽስስ እዩ ዝሕብር ዘሎ።

Section divider
Section divider

ጆ ባይደን ብወገኑ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ እንተኣምሪሑ ንሱን ክኢላታት ሕጊ ናይ ሰልፊ ዲሞክራትስን ድልዋት ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ኣካያዲት ስራሕ ጎስጓስ ጆ ባይደን ኦማሊ ዲሎን ንመጉት ቤት ፍርዲ ዝውዕል ገንዘብ ንኽዋጻእ ናብ ደገፍቲ ጆ ባይደን መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ ኣላ።

ንሳ ኣብ መልእኽታ “ንዝዓበየ ቤት ፍርዳዊ ምጉት ኢና ንዳሎ ዘለና፡ ነዚ ምጉት እዚ ዝውዕል ነብሲ ወከፍኩም 25 ዶላር ከተበርክቱ ድማ ይጽውዕ” ኢላ።

ምክትል ጆ ባይድን ካማላ ሃሪስ’ውን፡ ኣብቲ ‘ሳምንታት ክወስድ ዝኽልእ’ ዝበለቶ ምጉት ቤት ፍርዲ ደገፍቲ ዲሞክራት 5 ዶላር ከወፍዩ ኣብ ትዊተር ብዘስፈረቶ መልእኽቲ ጸዊዓ ኣላ።