ኣባላት ሪፐብሊካን፡ ክሲ ትራምፕ ክድንጉይ ጠሊቦም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ

ሪፐብሊካን ኣባላት ሰኔት ኣሜሪካ፡ ክሲ (ኢምፒችመንት) ዶናልድ ትራምፕ፡ ክሳብ ዝመፅእ ወርሒ ለካቲት ክናዋሕ ሓቲቶም።

ኣባላት ሪፐብሊካን ነዚ ሕቶ ንዲሞክራትስ ዘቕረቡ፡ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ንከይዲ እቲ ፍርዲ፡ ግዘ ንኽረክብ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ ካፒቶል ዝተፈጠረ ናዕቢ፡ ኣለዓዒሉ ብዝብል እዩ፡ ንክኽሰስ ተወሲኑ።

ኣባላት ሰኔት(ባይቶ) ኣሜሪካ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ትራምፕ ካብ ስልጣን ቅድሚ ምልቃቑ፡ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሉ ክለዓልን ናዕቢ ብምፍጣር ክኽሰስን፡ ብልዑል ድምጺ ምውሳኖም ይዝከር።

ኣባል ሰኔት ሚክ ማኮኔል፡ ናይ ዲሞክራትስ ኣባላት ሰኔት፡ ፈላማይ ክሲ ካብ ምቕራብ ክድንጉዩን፡ ትራምፕ፡ ንክዳሎ ኣስታት ክልተ ሰሙን ክህልዎን ሓቲቱ።

እቲ ክሲ እንተድኣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ተጀሚሩ፡ ዶናልድ ትራምፕ ክዳሎ እኹል ግዘ ከምዝህልዎ ከምዝኽል'ውን ሓቢሩ።

ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ሪፐብሊካን ኣብ ባይቶ ዝያዳ ወንበር ስለዘይህልዎም፡ መራሒ ዲሞክራትስ ቹክ ሹመር፡ ነዚ ዝተበገሰ ሓሳብ ካብ ምቕባል ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ኣይክህልዎን ተባሂሉ።

ኣባላት ዲሞክራትስ'ውን፡ እቲ ክሲ ናብ ባይቶ ንምቕራብ ምድላዋቶም ከምዝዛዘሙ ተገሊፁ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት፡ ዘበን ስልጣኑ ዘብቀዐ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፅንብል ሹመት ጆ ባይደን እንከይተረኸበ እዩ፡ ናብ ፍሎሪዳ ኣቕኒዑ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውስ ንዝነበሩ ሰልፈኛታት "ብሰለማዊ መንገድን ብሓርበኝነትን" ድምፆም ከስምዑን ብህልኽ ክቃለሱን ፀዊዑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ናብ ካፒቶል ይቐርቡ ከምዝነበሩ ዝተገለፁ ናዕበኛታት ደገፍቱ ድማ፡ናብ ካፖቶል ሂል ሰይሮም ኣትዮም፤ ሓያል ዕግርግር ተፈጢሩ።

ኣብቲ እዋን ኣባላት ባይቶ፡ ዓወት ጆ ባይደን ወግዓዊ ንምግባር፡ ተኣኪቦም ነይሮም።

ብሰንኪ እዚ ናዕቢ ኣርባዕተ ተቓወምትን፡ ኣብ ካፖቶል ዝነበረ ፖሊስን ተቐቲሎም።

እዚ ናዕቢ ምስተፈጠረ ድሕሪ ሰሙን፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ግዘ ስልጣኑ ክልተ ግዘ ንክኽሰስ ዝተበየኖ ወይ ድማ፡ እቲ ሰኔት ገበነኛ ብምባል ዝሓተቶ ፈላማይ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኑ።

ካብ መንበር ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ከይዲ ፍርዱ ብባይቶ ዝረኣይ ፈላማይ ሰብ'ውን ኮይኑ።

በዚ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቤት ጽሕፈት ብዝኾነ ጽፍሒ ከይሰርሕ ክእገድ ይክእል'ዩ።