ኣመሪካን ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳን ምሩዝ ሩስያዊ መራሒ ተቓዋሚ ክፍታሕ ጠሊቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካን ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳን፡ ነቲ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመለሰሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሩስያዊ መራሒ ተቓዋሚ ክፍታሕ ጠሊቦም።
እቲ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥን ድሕሪ ምምራዙ ኣብ ጀርመን ክሕከም ዝፀንሐን ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ናብ ርእሰከተማ ሞስኮ ምስተመልሰ'ዩ ተኣሲሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ፖለቲከኛታት ምዕራባውያን ሃገራት ናይ ውሽጢ ጸገማቶም ንምሽፋን፡ ነቲ ኩነታት ይጥቀምሉ ኣለዉ፡ ብምባል ነቲ ዘቕረብዎ ኩነኔ ተቓዊምዎ።
ንሱ፡ ብመንግስቲ ሩስያ ከምዝተመረዘ'ኳ እንተኸሰሰ፡ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ግን ኢድ ከምዘይብሉ'ዩ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ወዲ 44 ዓመት ፖሎቲከኛ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሸርሜቴቮ ካብ ዝርከብ መፈተሺ ፓስፖርት እዩ፡ ብፖሊስ ተወሲዱ።
ናቫልኒ ካብ በርሊን ምምላሱ ስዒቡ፡ ዋላ’ኳ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ክቕበልዎ እንተተፀበዩ፡ እታ ሒዛቶ ዝመፅአት ነፋሪት ኣንፈታ ቀይራ እያ።
ኣሌክሲ ናቫልኒ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሞት ንስለ ዝተረፈሉ ምምራዝ፡ ንሰብመዚ ሩስያ እዩ ዝነቅፍ።
ናይ ምርመራ ጋዜጠኛታት’ውን፡ ንክሲ እዚ መራሒ ተቓውሞ ዘራጉድ ፀብፃባት ኣቃሊሖም እዮም።
ሕብረት ኣውሮጳ፣ ፈረንሳይን ጣልያንን ድማ፡ ኣሌክሲ ናቫልኒ ብህፁፅ ክፍታሕ ፀዊዐን ኣለዋ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ምሩፅ ፕረዝደንት ጆ ባይደን ዝኾነ ጄክ ሱሊቫን’ውን፡ ነዚ ተግባር ተቓዊምዎ።
“ክሬምሊን ኣብ ልዕሊ ናቫልኒ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣይኮነን፡ ድምፆም ክስማዕ ንዝደልዩ ሩስያውያን ፀርፊ’ዩ ” ኢሉ፡ ጄክ ሱሊቫን።
ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበሮ በረራ ኣብ ሰርቢያ ምስተመረዘ፡ ብህፁፅ ናብ ጀርመን ከይዱ ክሕከም ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።
ኣብ ጀርመን ተሓኪሙ ምስ ሓወየ ድማ፡ ናብ ሩስያ ከምዝምለስ ኣፍሊጡ።
ዋላ’ኳ ናብ ሩስያ ምስ ኣተወ ክእሰር ከምዝኽእል መጠንቀቕታት ይበፅሕዎ እንተነበሩ፡ ንሱ ግና ብመገዲ ኣየር ፖቤዳ ተጓዒዙ።
ኣብታ ንሱ ዝተጓዓዘላ ነፋሪት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድረይ ኮዘንኮ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ነይሮም።
ይኹን’ምበር፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምዕላባ፡ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ቴክኒካዊ ፀገም ከምዘጋጠመ ምግላፁ ስዒቡ፡ እታ ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቭኑኮቮ ናብ ሸርሜቴቮ ኣንፈታ ቀይራ።
ናቫልኒ ኣብ ሸርሜቴቮ ምስ ወረደን ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምውዓሉን ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ ንደገፍቱን መራኸብቲ ሓፋሽን፡ “ትኽክል ምዃነይ እፈልጥ እየ፤ ዝፈርሖ ነገር የለን፡ ብዙሕ ተፀቢኹምኒ ድኹም?” ክብል ተዛሪቡ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ፡ ንናቫልኒ ሓዊሱ ቀንዲ መሻርኽቱ ልዩቦቭ ሶቦል’ውን ከምዝተኣሰረ ኣቃሊሐን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







