ባይደን ብዛዕባ ፑቲን ድሕሪ ዝሃቦ ርእይቶ ሩስያ ኣምባሳደራ ስሒባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ “ምብልሻው” ርክባት ንምግታእ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዝነበረ ኣምባደራ ንዘተ ፀዊዓ።
ሽርክና ኣሜሪካን ሩስያን ናብ ግጉይ መገዲ (ፍረ ኣልቦ) ብምብፅሑ፡ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ ፡ ናብ ሞስኮ ክምለስ ከምዝፀውዐ ኣፍሊጡ።
ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን ዝነበረ ኣምባሳደራ ዝሰሓበት፡ ፕረዝደንት ጆ ባይደን ፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ኢዱ ምእታዉ “ዋጋ ክኸፍል” እዩ ምባሉ ስዒቡ እዩ።
ባይደን ምስ ማዕኸን ዜና ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ፕረዝደንት ሩስያ “ቀታሊ” ኔሩ ኢሉ ከምዝሓስብ ኣረጋጊፁ።
ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኣሜሪካ፡ ኣብ ግዘ ጎስጓስ ኢድ ኣእታውነት ክህሉ ቭላድሚር ፑቲን ፍቓድ ሂቡ እዩ፡ ኣብ ዝብል ፀብፃብ ኤጀንሲ ስለላ ኣሜሪካ፡ ርኢቶ ሂቡሉ እዩ።
እቲ ሪፖርት፡ ሩስያ ምስቲ ብጆ ባይደን ዝተስዓረ ፕረዝደንት ነበር ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብምውጋን፡ ኣብቲ መረፃ ፀቕጢ ንምፍጣር ፈቲና ኢሉ ይኸስስ።
ወሃቢ ቃል ፕረዝደንት ፑቲን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ግና፡ እዞም ክስታት ብመረዳእታ ዘይተደገፉን፡ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝሃስዩን እዩ ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ ብመሰረት ድምዳመ ፀብፃብ ኤጀንሲ ስለላ እታ ሃገር፡ ኣብቲ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀባት ክተንብር ትፅቢት ይግበር።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ እንታይ ኢሉ?
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ፡ ኣብ ጉዳይ ርክብ ክልቲአን ሃገራት እንታይ ምግባር ከምዝከኣል ንምዝታይ፡ ናብ ሞስኮ ተፀዊዑ ኣሎ” ኢሉ።
ሩስያ፡ ነቲ “ዘይቕልበስ ምብልሻው ርክባት ንምግታእ (ንምክልኻል)” ድሌት ከምዝነበራ ድማ፡ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
“ንዓና እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ነቲ ፈታኒ ግዘታት ዝሓለፈ ርክብ ሩስያን ኣሜሪካን፡ ዋላ’ኳ ዋሽንግተን ፍረ ኣልቦ ክኾን እንተገበረቶ፡ ዝስተኻኸለሉ መገዲ ምንዳይ እዩ” ኢሉ።
ፕረዝደንት ባይደን እንታይ እዩ ኢሉ?
ጆ ባይደን፡ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተመሓላለፈ ቃለ መሕተት፡ ሩስያ ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ኢድ ምእታዋ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ምስ ፑቲን ኣብ ዝነበሮ ናይ ስልኪ ርክብ መጠንቀቕታ ከምዝሃቦ ገሊፁ። ነዚ ድማ፡ “ዋጋ ክኸፍል እዩ” ኢሉ።
ጆ ባይደን፡ ‘እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?’ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እንትኾን፡ “ኣብ ሓፂር ግዘ ክትርእዮ ኢኻ” ዝብል ምላሽ ሂብሉ።
ፑቲን ቀታሊ እዩ ኢልካ ዶ ትሓስብ? ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ፕረዝደንት ባይደን፡ “እወ” ክብል መሊሱ።
ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ፕሳኪ’ውን፡ ርክብ ሩስያን ኣሜሪካን፡ ኣብ ግዘ ምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ዝነበረሉ፡ ዝተፈለየ ከምዝኾን ገሊፃ።
ጄን ፕሳኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ብዘይጥርጥር፡ ሩስያውያን ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ተሓተትቲ ክኾኑ እዮም” ኢላ።
ሪፖርት ኤጀንሲ ስለላ ኣሜሪካ እንታይ እዩ ዝብል?
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕላዊ ዝኾነ በዓል 15 ገፅ ሪፖርት ኤጀንሲ ስለላ ኣሜሪካ፡ ብሩስያን ኣሜሪካን “ፀቕጢ ናይ ምፍጣር ስርሒት” ከምዝተፈፀመ ገሊፁ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ 3 ጥሪ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ፡ ምስ ሩስያ ርክብ ዘለዎም ውልቀሰባት፡ ብዛዕባ ፕረዝደንት ባይደን መርትዖ ዘይብሎም ሕቶታት ክውዝዑ ከምዝገበሩ ገሊፁ።
ከይዲ ሃገራዊ መረፃ ኣሜሪካ ንምድኻም፡ ጎስጓስ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝተርኣየ’ውን እቲ ኤጀንሲ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሪፖርት እቲ ኤጀንሲ፡ ምስ ስለላ ሩስያ ርክብ ዘለዎም ገለ ላዕለዎት ሰብመዚን መሻርኽትን ትራምፕ፡ ፀረ ባይደን ዝኾኑ ተረኻት ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣጀንዳ ክኾኑ ጌሮም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







