ፖሊስ ሞስኮ፡ ን200 ተሳተፍቲ ጉባኤ ተቓውሞ ኣሲሩ

ፖሊስ ናብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዝነበረ ሆቴል ጥሒሱ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፖሊስ ሩስያ ተቓወምቲ የካይድዎ ናብ ዝነበሩ ጉባኤ ሰይሩ ብምእታው፡ ን 200 ፖለቲከኛታት ኣሲሩ።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ፖለቲከኛታት፡ ፍሉጣት ኣመራርሓ ከምዝርከብዎም ድማ ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ንክልተ መዓልታት ክሳለጥ እኳ ተተሊሙ እንተነበረ፡ ፖሊስ ንሆቴል ሞስኮ ብምኽባብ፡ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ።

ፖሊስ፡ እቶም ፖለቲከኛታት መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ጥሒሶም እዮም፡ ነዚ ጉባኤ ዘዳለወ ድማ፡ “ዘይድለ ውድብ” እዩ ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ተካይዶ ሃገራዊ መረፃ ይቐርበሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ሰብመዚ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ፀቕጢ ይገብሩ ከምዘለዉ ይግለፅ።

ንፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብምንቃፍ ዝፍለጥ ቀንዲ ተቓዋማይ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተኣሰረ ይዝከር።

ኣብ ሩስያ ተመሪዙ ኣብ ጀርመን ሕክምንኡ ክከታተል ዝፀንሐ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ናብ ሃገሩ ምስተመለሰ እዩ፡ ተኣሲሩ።

እዚ ኣብ ሞስኮ ብተቓወምቲ ዝተወሃሃደ ጉባኤ፡ ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ኩሎም ተቓወምቲ ዝተሳተፍሉ እዩ ነይሩ።

እቶም ተቓወምቲ፡ ኣብቲ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ዘለዉ ስትራቴጂታት ንምዝታይ ዓሊሞም፡ ነዚ ጉባኤ ዋላ’ኳ እንተዳለዉ፡ ሃገራዊ ተሌቬዥን ሩስያ ግና፡ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እንትውዕሉ እዩ፡ ኣርእዩ።

ፖሊስ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (መስክ) ከምዘይገበሩን፡ ካልኦት መመርሕታት ኮሮናቫይረስ ከምዝጠሓሱን ገሊፁ።

ነዚ ጉባኤ ዘወሃሃደን “ዘይድለይ” ዝተብሃለን ውድብ ‘ኦፕን ሩስያ’ ምዃኑ ከኣ፡ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

‘ኦፕን ሩስያ’ ቀንዲ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ከምዝኾነ ብዝንገረሉ ሚክሃይል ኮዶሮኮቭስኪ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ተጣይሹ።

ሚክሃይል ኮዶሮኮቭስኪ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኣሰረ እንትኾን፡ ጠበቓታቱ ብስኑዕ ክሲ ከምዝተኣሰረ እዮም ዝገልፁ።

ፖለቲከኛ ሚክሃይል ኮዶሮኮቭስኪ፡ ድሕሪ ማእሰርቱ ካብታ ሃገር ወፃኢ ኣብ ስደት እዩ ዝነብር።

ተሳታፊ እቲ ጉባኤ፡ ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኣንድሬይ ፒቮቫሮቭ ብወገኑ፡ እቲ ጉባኤ ዩናይትድ ዲሞክራትስ ብዝበሃል ውድብ ከምዝተወሃሃደ ገሊፁ።

ክባ ፖሊስ፡ “ንዓና ንምፍርራሕ” ዝዓለመ እዩ ድማ ኢሉ።