ኢራን ኒኩለራዊ ማእከል ናታንዝ 'ውዲታዊ መጥቃዕቲ' ከም ዘጋጠሞ ገሊጻ

ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ስእሊ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ: ኢስፋሃን ኢራን 21 ጥቅምቲ 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ስእሊ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ

ሓደ ማእከል ኒኩሌር ኢራን: ሓድሽ መሳርሒ ምብልጻግ ዩራንየም ከም ዘማዕበለ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ "ብውዲት" ከም ዝተሃርመ፡ ላዕለዋይ በዓል-መዚ ኒኩለር እታ ሃገር ሓቢሩ።

ዓሊ ኣክባር ሳልሕ ብድሕሪ እቲ "ግብረሽበራዊ" ዝበሎ መጥቃዕቲ መን ከም ዘሎ ግና ኣየነጸረን።

ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ቴህራን ዝርከብ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ ብሰንበት ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ሓደ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ግና ንስለያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ውጽኢት ብእስራኤል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ-ሳይበር ምዃኑ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበትን።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ግና ብዛዕባ ፕሮግራም ኒኩለር ኢራን እትህቦ መጠንቀቕታታት ክበዝሕ ተራእዩ እዩ።

እዚ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ኣብ 2018 ምምሕዳር ትራምፕ ኣሜሪካ ዘንሳሓበሉ፡ ኒኩለራዊ ስምምዕ ንምብርባር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝግበረሉ እዩ ኣጋጢሙ።

ፕረዚደን ኢራን ሓሰን ሩሓኒ ብቐዳም ኣብ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ ሓደስቲ ሰንትሪፍዩጅ ከመርቕ እንከሎ ብቴለቪዥን ብቐጥታ ተመሓላሊፉ።

ሰንትሪፍዩጅ፡ ነቲ ንምንጪ ጸዓትን ኒኩለራዊ ኣጽዋርን ንምስራሕ ዘኽእል ዝበልጸገ ዩራንየም ንምምዕባል ዘገልግል መሳርሒ እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ውዕል ኢራን ንምንጪ ጸዓት ጥራይ ዘገልግል ዝተወሰነ ዓቐን ብልጹግ ዩራንየም ክተፍርን ክትክዝንን ትግደድ እኳ እንተነበረት፡ እዚ ስጉምቲ ካልእ ምጥሓስ ናይቲ ስምምዕ ምዃኑ ይግለጽ።

ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓትን ንጉዳይ ኒኩለራዊ ግብረሽበራ ብዕቱብ ክርእይዎ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ትጠልብ" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "ኢራን ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ተግባር ዝፈጸምዎ ኣካላት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰላ ኣብ ቦትኡ ኣሎ" ኢሉ።

ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ እኳ እንተገለጸ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ኒኩለራዊ ማእከል ናታንዝ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ውዲት ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።