ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መን እዩ?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ አንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

"ኣብ ጽንብል ሽመት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንሰለስተ ሳዕ ተዓዲመ ኣለኹ። ኣብ መንግስትነት ዶናልድ ትራምፕ፡ ጽንብል ሽመት ሬክስ ቲለርሰንን ማይክ ፖምፒዮን ብዙሓት ሓጎሶም ዝገልጹ ዕዱማት ነይሮም።

"ሕጂ ኣብ ጽንብል ሽመት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ አንቶኒ ብሊንከን ግን ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮቪድ፡ ኩሉ ነገር ጸጥ ኢሉ እዩ ነይሩ" ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ባርባራ ፕሌት።

እንተኾነ፡ ዋላኳ ብዙሓት ፈተውትን ደገፍትን ኣብ ጽንብል ሽመት አንቶኒ ብሊንከን ብኣካል ተረኺቦም "እንቋዕ ሓጎሰካ' እንተዘይበሉዎ፡ ማሕበረ ሰብ ዲፕሎማት ሰናይ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ እዩ።

ነቲ በዓል ኣብ ቤቱ ኮይኑ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተሎ ዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ "እቲ ሓድሽ ጉጀለ፡ ቤት ጽሕፈት ተረኪቡ ስርሑ ብምጅማሩን፡ ብሊንከን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮይኑ ብምምዛዙን ብዙሓት ዲፕሎማት ሕጉሳት እዮም" ክብል ነጊሩኒ ትብል ባርባራ።

ብሊንከን ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዲፕሎማሲ ዝሰርሑ ምኩራትን ውሩያትን ዲፕሎማት እዩ።

"ኣብ ዘበነ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ዓውደ ዲፕሎማሲ ብዙሕ ነገር ተቐይሩ እዩ። ሕጂ ነቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዝጸንሐ እምነትን ሞራልና ናብ ዝነበሮ ክትመልሶ ቀሊል ኣይኮነን" ከኣ ይብል እቲ ዲፕሎማት።

ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ናይ ወጻኢ ኣካይዳ ዘይተቐበሉዎ ኣስታት 1000 ሰራሕተኛታት ስርሐም ገዲፎም እዮም።

ብዙሓት ካልኦት፡ "ብሓሳብ እኳ እንተተፈላለና ምስቲ ምምሕዳር ክንቅጽል ኢና" ዝበሉ እውን ብኢ-ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ትራምፕን ሰበስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ተሰላችዮም እዮም ጸኒሖም።

ስለዚ፡ ይብል እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን " ኩላትና እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነታት ብምቕያሩ ደስታ ተሰሚዑና ኣሎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ስራሕ ተኣልዩ ዝጸንሐ ኩሉ ናብ ስርሑ ክምለስን ነገራት ኣብ ምቕያር ክሳተፍ ይፍትን ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ኮሪደር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ተሰቒሉ ዝነበረ ስእሊ ማይክ ፖምፐዮ ተኣልዩ ብኣሳእል ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ተተኪኡ ኣሎ።

እቲ ኣገዳስነት እቲ ሞያን ሓላፍነትን ዝገልጽ፡ ብማይክ ፖምፐዮ ዝተጻሕፈ ዓቢ ሰደቓ፡ ኣብ ጽንብል ሽመት ጆ ባይደን እዩ ተኣልዩ።

እዚ ሕጂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዝተሾመ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብቲ ሚኒስትሪ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ጆ ባይደን ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐን ብዙሕ ልምዲ ዘኻዕበተን ዲፕሎማት እዩ።

ኣብ ጽንብል ሽመቱ፡ ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝነበረ፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ክቕይሮን ከመሓይሾን ምኻኑ ብዝሃቦ መደረ ብዙሕ ደገፍ ረኺቡ።

ብዙሓት ኣመሪካውያን ዲፕሎማት ነቲ ንቕጽ ዝበለ " ኣመሪካ-ትቕደም " ዝብል ዓንቃጽ ኣካይዳ ከምዘይፈተውዎን ክቕየር ከምዘለዎን እዮም ዝዛረቡ።

ብሊንከን፡ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ፈለማ፡ ካብ ሩስያ ዝመጽእ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ክገትእ፡ ኣብ እዋን ምርጫ ዝግበር ምትእትታው ክከላኸል፤ ስዑዲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ደው ንኸብል ክጽዕር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ምምሕዳር ትራምፕ ከም ኣሸባሪ ሰይሙዎ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ንርግኣትን ሰላምን እቲ ከባቢ ሓደጋ ምዃኑን ንምዕዳል ግብረ ሰናይ እውን ከይዕንቅፎ ስግኣት ኣሎ።

ንጉዳይ ኒኩሌር ኢራን ብዝምልከት ከኣ ከምቲ ባይደን ዝበሎ ብሊንከን እውን እቲ ናይ 2015 ስምምዕ ክምለስ ኣለዎ በሃላይ እዩ።

ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ጉዳይ ዲፕሎማሲ አዐዊቱዎ እዩ ዝበሃል ንጉዳይ ኒክሌር ኢራን ብስምምዕ ምቕያድ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ 2018 ብምምሕዳር ትራምፕ ፈሪሱ እዩ።

ናብቲ ስምምዕ ዝምለሱ ግን ኢራን እውን ብወገና ዝኣተወቶ መብጽዓ ምስእተኽብር ምዃናን ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ክረአ ከምዘለዎን ሓቢሩ።

ሓደ ኢራናዊ በዓል ስልጣን እውን፡ "ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማሲ ኣመሪካ ጽባሕ ንግሆ ከምዚ ናይ ትራምፕ ሓሳብ ናይ ምቕያር ጸገም ከይመጽእ ስክፍታ ኣሎና" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ንጉዳይ ቻይና ብዝምልከት ምስ ርእይቶ ፕሬዚደንት ኣመሪካ ነበር ይሰማማዕ እዩ።

ግን ከኣ ምስ ደገፍኢ ዲሞክራስን ዓለማ ሓቀፍ ትካላት ምትሕብባር ከምዘድሊ ይኣምን።

ቀንዲ ዕላም እዚ ሓዲሽ መሪሕነት ጉዳያት ወጻኢ ክብርን ቦታን ኣመሪካ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ምምላስ እዩ።

ኣብታ ፈላሚት ዕለት ምስ ጋዜጠኛታትን ሚድያን ብቕርበት ክሰርሕ ምዃኑ ብግልጽን ቅንዕናን ተዛሪቡ።

እዚ ዓይነት ኣካይዳ ከኣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ምምሕዳር ዝጻረር እዩ።

ማይክ ፖምፐዮ'ውን ልክዕ ከም ትራምፕ ሚድያ ኣይፈቱን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ማይክ ፖምፐዮ'ውን ልክዕ ከም ትራምፕ ሚድያ ኣይፈቱን ነይሩ።

ማይክ ፖምፐዮ ሚድያ ኣይፈቱን እዩ። ንሓንሳብ እውን ንሚድያ ክነቅፍ ይስማዕ እዩ።

መልሲ ሕቶታትና ንምርካብ ኣዚና ንሽገር ነይርና እቶም ቁሩብ ድፍረት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኮሚዩኒኬሺን " ምንም ንብሎ ነገር የሎን" ክብሉ ይምልሱልና ነይሮም። ናብ ብሊንከን ኣካይዳ ካብ ናይ ማይክ ፖምፐዮ ኩነታት ተጻራሪ እዩ።

እነሓጎ ብሊንከን ኣብ ሩስያ ካብ ዝተላዕለ ጸረ ኣይሁድ ምልዕዓል ሃዲመን ናብ ኣመሪካ ተሰዲደን ዝመጽኣ እየን።

ፖላንዳዊ ሰብኣይ ዓባዩ እውን ካብ ቅትለት ናዚ ብወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ዝደሓኑ ሰባት እዩ።

"መንነትና እዚ ዝተገልጸ እዩ። ኣብ ዓለም ነቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ከኣ ኢና ንውክል። ከም ሰባት ጌጋታት ክህልወና ዝኽእል እኳ እንተኾነ ብዝተኻእለ መጠን ከነዐሪ ኢና ንፍትን" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እውን እንተኾነ ኣመሪካ ኣብ ዓለም ተራን ጽልዋን ከም ዘለዋ ምርግጋጽ ካብ ቀንዲ ስርሑ ምዃኑ ይኣምን።