ኣብ ኣሜሪካ ዘቤታዊ ግብረ-ሽበራ ከጋጥም ከምዝኽእል ክፍሊ ድሕነት ኣሜሪካ ኣጠንቂቑ

ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዙርያ ካፒቶል - 14 ጥሪ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰበስልጣን ጸጥታ ኣሜሪካ፡ በቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደን ባይደን ዝተዓወተሉን ምርጫ ምስ ዘይተሓጎሱ ሰባት ብዝተሓሓዝ ዘቤታዊ ግበረ ሽበራ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

እቲ ደገፍቲ ትራምፕ ብ6 ጥሪ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ንገለ ሕሉፋውያን (ኣኽረርቲ) ትብዓት ሂብዎም ከኸውን ከምዝኽእል ሃገራዊ ክፍሊ ድሕነት እታ ሃገር ሓቢሩ።

እንተኾነ ዛጊድ ብወግዒ ዝተሓበረ ሽርሒ ከምዘየለ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ አባላት ኮንግረስ ንዓወት ጆ ባይደን ከጽድቑ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ከምዝተኻየደ ይዝከር። ቅድሚኡ ድማ ኣብ መረጻ ዝተሰዓረ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንደገፍቱ ኣብ ዙርያ ዋይት ሃውስ ብምእካብ ውጽኢት መረጻ ከምዝተሰረቖ ገሊጹ ነይሩ።

"ብትሪ ክትቃለሱ እንተዘይኪኢልኩም ካብ ሎሚ ንደሓር ሃገር ዝበሃል ኣይክህልወኩምን" ክብል ከኣ ነቶም ደገፍቱ ተዛሪቡ።

ብድሕሪኡ ብዙሓት ናብ ካፒቶል ብምኻድ ምስ ኣባለት ጸጥታ ተጓኒጾም ነቲ ህንጻ ተቖጻጺሮምዎ። ሽዑ ኣብቲ ናዕቢ ሓደ ናይ ካፒቶል ፖሊስ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም።

ባይቶ ተወከልቲ፡ ነቲ ናዕቢ ብምልዕዓል ዝኽሰስ ትራምፕ ንዝነበሮ ናይ ዘይምኽሳስ ሕጋዊ መሰል ዘልዓለ ኮይኑ ጉዳዩ ኣብ መእተዊ ወርሒ ለካቲት 2021 ክረኣ ቆጸራ ተታሒዙሉ'ሎ።

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝቐረበ መጠንቀቕታ "ነቲ ዕውት ዝነበረ ስነስርዓት ቃለ-መሓላ ስዒቦም ኣብ ዝህልዉ ሰሙናት" ሰግኣታት ጸጥታ ከምዝወሰኹ የመልክት።

"ሓበሬታታት ከምዘመልክትዎ ገለ ብስነ-ሓሳባዊ ኣፈላላይ ዝብገሱ ጎነጻዊ ሕሉፋውያን (ኣኽረርቲ) ነቲ መንግስታዊ ንጥፈታትን ፕረዚደንታዊ ስግግርን ብምቅዋም፤ ከምኡ'ውን ብናይ ሓሶት ዘረባታት ዝተጓሃሃሩ ቁጠዐታት፡ እቲ ዓመጽ ክፍጽሙ ወይ ንኽውላዕ ከተሓባብሩ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ መግለጺ ሰበመዚ ጸጥታ ኣሜሪካ።

ምስቲ ኣብ ካፒቶል ዝተወለዐ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ 400 ጥርጡራት ተፈሊጦም ከምዘለውን፡ ካብዚኦም ዛጊድ 135 ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ዓቀብቲ ሕጊ ይገልጹ።