ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝነበሮ ናይ ዘይምኽሳስ ሕጋዊ ከለላ ውሳነ ክሓልፍ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ ተወከልቲ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክለዓልን ዘይክለዓልን ኣብ ዝብል ጽባሕ ሰሉስ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ሰልፊ ዴሞክራት ኣፍሊጡ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ቅድሚ’ቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዘለዎ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ዘልዕል መስርሕ ምጅማሩ ካብ ስልጣኑ ኣብ ዝእለየሉ ውጥናት ብዝምልከት ንኣርቀቕቲ ሕጊ እታ ሃገር ሓበሬታ ሂባ’ላ።
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ንትራምፕ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ዝጽውዕ ብይን ንምጽዳቕ ድምጺ ክህቡ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።
ዴሞክራት ብወገኖም ትራምፕ ምስቲ ኣብ ካፒቶል ዝተወለዐ ዕግርግር ዝነበሮ እጃም ብዝተሓሓዝ “ናዕቢ ምጉስጓስ” ብዝብል ክሲ ክምስርቱሉ ምዃኖም ይግለጽ።
እቲ ፈላማይ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ሎሚ ሰኑይ’ዩ ክካየድ።
ፔሎሲ ትማሊ ናብ ኣርቀቕቲ ሕጊ ኣሜሪካ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ንመመሓየሺ ዓንቀጽ 25 ግብራዊ ክገብር ውሳነ ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ውጥናት ዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።
ብመሰረት መመሓየሺ ዓንቀጽ 25 ከኣ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ንትራምፕ ካብ ቤተመንግስቲ ብምስጓግ ጊዚያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ክጸንሕ ይኽእል።
“ሕገመንግስትናን ዴሞክራሲናን ንምሕላው ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና፤ ምኽንያቱ እዚ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ [ንሕገመንግስትን ዴሞክራሲን] ንዘንጸላለወ ስግኣት ዝውክል እዩ” ኢላ ፔሎሲ።
ብድሕሪኡ ድማ እቲ ንትራምፕ ካብ ዘይምኽሳስ ዘድሕኖ ከለላ ሕጊ ክለዓል ናይ ምግባር መስርሕ ከም ዝቕጽል ኣብቲ ደብዳበ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ካብቲ ትዊተር ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተኣገደሉ መዓልቲ ጀሚሩ ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
እንተኾነ ትማሊ ካብ ቤተመንግስቲ ዝተወሃበ መግለጺ ከምዘመልክቶ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘራኽብ ዶብ ዝተሃነጸ መንደቕ ንምርኣይ ናብ ቴክሳስ ክጓዓዝ’ዩ።
እዚ ጉዕዝኡ ከኣ ምምሕዳሩ ኣብኡ ዝሰርሖ ስራሕ ክረኣየሉ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
ዴሞክራትን ገለ ኣባላት ሪፐብሊካንን፤ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተወለዐን ምኽንያት ሞት ሓሙሽተ ሰባት ዝኾነን ናዕቢ ብምጉህሃር ንትራምፕ ይኸሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







