ኣብ ካፒቶል፡ ናዕቢ ብምልዕዓል ዝተኸሰ ብሕብረ-ቀለማት ዝተመላኸዐ ጄክ ኣንጄሊ

ጄክ ኣንጄሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጄክ ኣንጄሊ

ፍሉጥ ተኸታሊ፡ ቓኖን ዝተበሃለ ‘መሰረት ዘይብሉ ናይ ተንኮል ጽንሰ-ሓሳብ’ ፡ ቃኖን ሻማን፡ ብዝብል እዩ በሰፊሑ ዝፍለጥ።

እቲ መንእሰይ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካፒቶል [ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ/ኮንግረስ ኣመሪካ ዝርከበሉ ህንጻ] ዝተልዓለ ኣዕናዊ ናዕቢ ተሓተቲ ኾይኑ ኣሎ።

ሓቀኛ ስሙ፡ ያቆብ ኣንቶኒ ቼንስለይ ከምኡ’ ውን ብሓጺሩ ‘ጄክ ኣንጄሊ’ ዝብል እዩ።

እቲ ጥርጡር፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኾይኑ፡ ስነ ምግባር ዝጠሓሰን ዓመጸኛን ኣተኣታትዋ ብዝብል እዩ ክሲ ዝምስረተሉ ዘሎ።

እዚ ንባዕሉ ‘ቃኖን ሻማን’ እናበለ ዝጽውዕ ሰብ፡ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ካፒቶል፡ ውሽጢ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ [ኮንግረስ] ብጉልበት ዝኣተዉ ናዕበኛታት፡ ኣብ መንጎኦም ገጹ ብሕብሪ ዝተሸለመ፣ ጀጓፍ ቆቢዕን ቀርንን ገይሩ እዩ ዝረአ።

ምስቲ ፍጻመ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝተዘርግረሑ ጸብጻባት፡ ኣብ ሚድያታት ዓለም ብሰፊሑ ምስሉ ይልለ።

ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ ምልዕዓል እቲ ናዕቢ ብዝነበሮ እጃም ክሲ [ኢምፕችመንት] እናተመስረቶ እዩ።

ብፍላይ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት፡ ኣብዚ ሓሙሽተ ሰባት ንክቕተሉን ብርክት ዝበሉ ንክቖስሉን ጠንቂ ዝኾነ ናዕቢ ብምትብባዕን ብምልዕዓልን ይኸስዎ።

ኤፍቢኣይ፡ እቶም ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ናዕበኛታት ኩሎም ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በቲ ገበን፡ ክሲ ዝቐረቦ ጄክ ኤንጀሊ ግን፡ ዛጊድ ዕላዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ካብ ፌዴራል ዓቃቢ ሕጊ ዝወጽአ መግለጺ፡ እቲ በቲ ገበን ተጠርጢሩ ክሲ ዝተመስረቶ ሓደ፡ እዚ ሰብ ኮይኑ፡ በቶም ዝተለኸዮም ሕብርታትን ዝተኸድኖም ነገራትን ኣብ ሚድያታት ዓለም ትኹረት ስሒቡ ዘሎ ናብ ካፒቶል ጥሒሶም ካብ መንጎ ዝኣተዉ ቀንዲ ተሓታቲ ምዃኑ ይሕብር።

“እቲ ውልቀሰብ 6 ፊት ንውሓት ዘለዎ፡ ብባንዴራ ኣመሪካ ዝተመላኸዐ ብልሒ ዘለዎ ጦር ሒዙ እዩ ኣትዩ” ኢልዎ።

ሓደ ካብቶም ናዕበኛታት ካብቲ ቤት ምኽሪ ሒዝዎ ዝውጸኦ ኣቅሓ ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ መግለጺ ከምዝብሎ፡ ኣብ ወንበር፡ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ናንሲ ፔሎሲ ኮፍ ኢሉ ዝረአ ሰብ ውን ፖሊስ ካብ ፍሎሪዳ ኣሊሹ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ወሲኹ ይሕብር።

እዚ ወዲ 36 ዝኾነ ኣዳም ጆንሰን ዝበሃል ውልቀሰብ፡ ብዘይሕጋውን ብናዕብን ናብቲ ቤት ምኽሪ ብምእታውን ንብረት መንግስቲ ብምዝራፍን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ካልእ ካብቶም በቲ ገበን ተኸሲሶም ዝርከቡ ድማ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ግዝኣት ቪርጂንያ ኾይኑ ደሪክ ኢቫንስ ይበሃል።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ደገፍቲ ትራምፕ ኾይኑ ናይ ባዕሉ ስእሊ [ሰልፊ] ብምልዓል ናብ ውሽጢ እቲ ህንጻ እንትኣቱ ይረአ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እቲ ተግባር ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ኾይኑ ንሱ’ውን ተመሳሳሊ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዘሎ ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ ኣሎ።

ዛጊድ በቲ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ዝተፈጸመ ብብዙሓት ዝተወገዘ ናዕቢ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ቀይዲ እናወዓሉን ክሲ እናተመስረቶምን ይርከብ።

ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሕዳር 3 ዝተኻየደ መረጻ ዝበጽሖ ስዕረት ዛጊድ ዘይተውሓጠሉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ድሕሪ 11 መዓልታት ስልጣኑ ብዕሊ ክለቅቕ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራት እቲ ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ብምልዓሉ፡ ቀዲሙ ካብ ስልጣን ክእለ ዘኽእሎ ዓንቀጽ እናጠቐሱ ክሲ ኣብ ምምስራት ይርከቡ።

እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ]፡ ኣብዚ ዝተወደአ ግዜ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳድ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ዘስፍሕ ጥራይ እዩ ዝብል ርእይቶ ሂቡ ።