ናዕቢ ካፒቶል፡ ንትራምፕ ካብ ስልጣን ክኣልይ ዝኽእል መበል 25 'ኣመንድመንት' እንታይ እዩ?

ቅዋም ኣሜሪካ ዝሓሰ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ መዓልትታት ክልተ ሰሙን ዘይመልእ እኳ እንተኾነ ብረቡዕ ደገፍቱ ንህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ ወሪሮም መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ሓደ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ዝኾነ ሰኔተር፡ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ትራምፕ ክቕንጠጥ ጸዊዑ ኣሎ።

"ትማሊ ኣብ 'ካፒቶል' [ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ] ዘጋጠመ ብፕረዚደንት ዝተጎስጎሰ ናዕቢ ኣንጻር ኣሜሪካ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ሓንቲ መዓልቲ'ውን ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል የብሉን" ኢሉ ሰኔተር ቻክ ሹመር።

ወሲኹ'ውን ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ነቲ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት ናብ ምኽትሉ ክሰጋገር ዘኽእል ንመበል 25 'ኣመንድመንት' ክጥቀም ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።

"እቲ ምክትል ፕረዚደንትን ካቢነን ነዚ ድልዋት እንተዘይኮይኖም ባይቶ ኣብቲ ፕረዚደንት ክሲ ንምምስራት ዘኽእል መስርሕ ንምጅማር ደጊሙ ክእከብ የድልይ" ኢሉ።

ደሞክራስያውያን ኣባላት ኮሚተ ፍትሒ እቲ ባይቶ'ውን እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ንዶናልድ ትራምፕ ካብ መዝነቱ ክኣልይ ዝጠልብ ደብዳበ ጽሒፎምሉ ኣለው። ንሳቶም ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ትራምፕ ናይ ናዕቢ ተግባር ብምልዕዓል "ደሞክራሲና ክብሕጉግ ፈቲኑ" ኢሎም።

መበል 25 'ኣመንድመንት' እንታይ እዩ?

መበል 25 'ኣመንድመንት' ማለት መዓረይታ፡ ፕረዚደንት ብኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንጥፈታት ከሳልጥ ምስ ዘይክእል፡ ምክትል ፕረዚደንት፡ ከም ግዚያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ዘፍቅድ ኣሰራርሓ እዩ።

እቲ ኣብዚ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ድማ ክፋል ኣርባዕተ ናይቲ መዓረይታ ኮይኑ፡ ምክትል ፕረዚደንትን ዝበዝሑ ኣባላት ካቢነን፡ ፕረዚደንት ንጥፈታቱ ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ ክእውጁ ዘኽእል እዩ።

ነቲ ኩነታት ዝገልጽ ክታሞም ዘንበሩሉ፡ ደብዳበ ናብ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልትን ሰኔትን ምስ ዝጽሕፉ፤ ምክትል ፕረዚደንት ብኡንብኡ ነቲ መዝነት ይርከብ።

2px presentational grey line

ምንጪ ስእሊ, AFP

2px presentational grey line

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ፕረዚደንት ምላሹ ብጽሑፍ ክገልጽ ዕድል ይወሃቦ'ሞ ተቓውሞ ምስ ዝህልዎ፡ እቲ ውሳነ ናብ ባይቶ ይግደፍ። ክልተ ሲሶ ድምጺ ናይ ኣባላት ባይቶ ተወከልትን ሰኔትን ዝረኸበ ውሳነ ተግባራዊ ይኸውን።

እቲ ጉዳይ ነዚ መስርሓት ሓሊፉ መዕለቢ ክሳዕ ዝረክብ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ከም መራሒ ሃገር ኮይኑ የገልግል።

መበል 25 ኣመንድመንት ኣብ ተግባር ምውዓል ዝብል ዛዕባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ብኮቪድ-19 ምስ ተለኽፈ፡ እቲ ሕማም ክብርትዖ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ተላዒሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን ኣብ ሆስፒታል 1985

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን ኣብ ሆስፒታል 1985

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉ ኩነታት ኣሎ ዶ?

መበል 25 ኣመንድመንት ኣብ 1967፡ ኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ቅትለት ፕረዚደንት ጆን ኦፍ ኬነዲ እዩ ጸዲቑ።

ብዙሓት ፕረዚደንትታት ብፍላይ ነቲ ብግዝያውነት ስልጣን ንምኽትሎም ከረክቡ ዘፍቅድ ክፈል ሰለስተ እቲ ኣመንድምንት ተጠቂሞምሉ እዮም።

ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብ 2002 ከምኡውን 2007 ንሕክምና ኣብ ዝደቀሰሉ እዋን ስልጣን ንምኽትሉ ኣረኪቡ እዩ። ፕረዚደንት ሮናልድ ሬገን እውን ኣብ 1985 ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከምኡ ገይሩ እዩ።

ክሳዕ ሎሞ ግና ዝኾነ ፕረዚደንት ብመገዲ መበል 25 ኣመንድመንት ንሓዋሩ ካብ መዝነቱ ኣይተኣለየን።

ካልእ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ መዝነቱ ዝእለየሉ መገዲ ኣሎ ዶ?

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ክሲ ንምምስራት ዘኽእል መስርሕ ዳግማይ ንምጅማር ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ኣባል ባይቶ፡ ደሞክራት ኢልሃን ዖማር ነቲ መስርሕ ንምጅማር ዘኽእል ክሲ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ትጽሕፍ ከም ዘላ ክትገልጽ እንከላ ብዙሓት ደጊፎምዋ ኣለው።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ፕረዚደንት ትራምፕ ስልጣኑ ብምጥቃም ዳግማይ ምእንቲ ክምረጽ ካብ ዩክሬይን ደገፍ ሓቲቱ ብዝብል ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ክሲ ንምምስራት ዘኽእል መስርሕ (ኢምፒችመንት) ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ በቲ ብሪፓብሊካውያን ዝዕብለል ሰኔት ነጻ ተባሂሉ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብገበን ተጠርጢሩ 'ኢምፒችመንት' ዝተኻየደሉ ሳልሳይ ፕረዚደንት እዩ።

White spacer