ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተርን ፌስቡክን ንትራምፕ ኣጊደን

ምንጪ ስእሊ, N/A
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ ዘጥቅዑ ሰልፈኛታት ኣመልኪቱ ብትዊተር ሓበሬታ ድሕሪ ምልጣፉ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ትዊተርን ኣጊደንኦ።
ንሱ ኣብቲ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ናብ ገዝኦም ክኸዱ ቅድሚ ምንጋሩ፡ "የፍቅረኩም እየ" ኢልዎም። ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ'ውን ምጥፍፋእ ነይሩ ክብል ጭብጢ ዘይብሉ ክሲ ጽሒፉ።
ትዊተር፡ ሰለስተ ካብቲ ጽሑፋት "ብርቱዕ ጥሕሰት ፖሊሲ መትከል ዜጋታት" ከም ዘለዎ ብምግላጽ ክእለ ከም ዝግባእ ገሊጹ።
እቲ ጽሑፋት እንተዘይተኣልዩ፡ እቲ ናይ ትዊተር ገጽ ናይቲ ፕረዚደንት ንሓዋሩ ክዕጾ ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል ወሲኹ፡ "ኣብ መጻኢ፡ ምጥሓስ መምርሒታት ትዊተር . . . ንገጽ ትዊተር እቲ ፕረዚደንት ከዕጽዎ ከም ዝኽእል'ውን" ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ብተደጋጋሚ ንመምርሒታት እቲ ትካል ክጥሕስ ስለ ዝርአ፡ ኣብቲ መርበብ ነዊሕ ክጸንሕ ከም ዘይክእል ይግለጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፌስቡክ ናይ 24 ሰዓታት እገዳ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ከንብር እንከሎ፤ ዩትዩብ እውን ነቲ ቪድዮ ኣሊይዎ ኣሎ።
ፌስቡክ ነቲ ጽሑፍ ዝኣለየሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ "ንተኽእሎ ናይ ጎነጽ ዘጉድል ዘይኮነ ዘብዝሕ ምዃኑ ስለዝኣመንና ኣሊናዮ ኣሎና" ኢሉ።
ደገፍቲ ትራምፕ ንህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ ጥሒሶም ብምእታው ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ጎንጺ፡ ንዓወት ኣባል ደሞክራት ጆ ባይደን ኣመልኪቱ ንዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ክቋረጽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ኣብ ክልቲኡ ባይቶ ዝርከቡ ኣባላት ሪፓብሊካን ንውጽኢት ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ ተቓውሞታቶም ይገልጹ ነይሮም።
እቲ ጎንጺ ቅድሚ ምልዓሉ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ እቲ ምረጫ ከም ዝተሰረቐ ተዛሪቡ።
ድሕሪ ሰዓታት፡ ጎንጺ ኣብ ውሽጥን ከባብን 'ካፒቶል' እናተጓሃሃረ ምስ ከደ፡ ብቪድዮ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘርጊሑ።
ነቶም ሰልፈኛታት "የፍቅረኩም እየ" ብምባል ነቶም ንህንጻ ካፒቶል ጥሒሶም ዝኣተው ሰባት ድማ "ሓርበኛታት" ኢልዎም።
ዩትዩብ፡ እቲ ቪድዮ ንፖሊሲታት እቲ ተካል "ዝጥሕስ" ብምዃኑ ከም ዝኣለዮ ሓቢሩ።
ትዊተር ኣብ ፈለማ ነቲ ቪድዮ እንተዘይኣለዮ እኳ፡ ብኻልኦት ከም ዘይልጠፍ፡ ርእይቶ ከም ዘይወሃቦን 'ላይክ' ከም ዘይግበርን ድሕሪ ምግባር፤ ጸኒሑ ነቲ ቪድዮ ብምእላይ፡ ነቲ ፕረዚደንት ተወሳኺ ጽሑፋት ከይልጥፍ ኣጊድዎ።
እቲ ናይ ተቓውሞ ሰለፊ ብቐንዱ ኣብ ኦንላይን ከምኡ'ውን ኣብ ፌስቡክ ዝተወደበ እዩ።
ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝርአ ሕሉፍ ኣረኣእያን ተንኮላዊ ክልሰ-ሓሳብን ብዕቱብ ክርእዮ ምዃኑ ይግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







