ባይቶ ኣመሪካ ንዓወት ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወግዒ ከጽድቖ'ዩ

ተቓውምኦም ከስምዑ ዝወጹ ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ተቓውምኦም ከስምዑ ዝወጹ ደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ (ኮንግረስ) ደገፍቲ ትራምፕ ተቓውሞ የስምዑ ኣብዘለዉሉ እዋን፡ ዓወት ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምጽዳቕ ከምዝእከቡ ተገሊጹ።

ኣብቲ ሓበራዊ ኣኼባ ሰኔትን ተወከልቲ ህዝብን፡ ድምጺ 'ኢሌክቶራል ኮሌጅ' (መረጽቲ ፕረዚደንት) ክቖጽርን ከጽድቕን እዩ።

ገለ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ነቲ ውጽኢት እቲ መረጻ ውዱቕ ንምግባር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብምድጋፍ ኣብቲ ኣኼባ ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ ገሊጺም እዮም። ኮይኑ ግና ለውጢ ዘምጽኡ ኣይመስልን።

ደገፍቲ ትራምፕ፡ ምጽዳቕ ስዕረት እቲ ፕረዚደንት ንምቅዋም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምትእኽኻብ ጀሚሮም ዘለዉ ኮይኖም፡ ደገፍቲ ባይደን እውን ብተመሳሳሊ ኣንጻሮም ክወጹ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር፡፡

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ጸጥታ እውን ናቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡፡

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ''ሰልፊ ምድሓን ኣመሪካ'' መደረ ኣስሚዑ ኣሎ፡፡

ትራምፕ፡ ዝኾነ መርትዖ ከየቕረበ፡ እቲ ብ3 ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ምትላላት ከምዝነበሮ ብምግላጽ ነቲ ውጽኢት ከምዘይቅበሎ'ዩ ዝገልጽ ዘሎ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብታ ብልሙድ መረበት ደገፍቲ ሪፖብሊካን ዝኾነት ግዝኣት ጆርጂያ ብሰሉስ ዝተገብረ መረጻ እውን ጥርጣረ ከምዘለዎ ክዛረብ ቀንዩ፡፡

ከም ቅድመ ግምት ቴሌቪዥን ኣመሪካ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ዲነታ ሓንቲ መንበር ናይ ሰነት ክዕወተላ እንከሎ፡ ነታ ካልኣይቲ'ውን ከምዝወሰዳ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ደሞክራት ተወዳዳሪ ገሊጹ'ሎ። ይኹን እምበር፡ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ገና ብወግዒ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ነተን ክልተ መናብር እንተተዓዊቱለን፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ባይደን መንበረ ሰልጣን ምስተረከበ፡ ኣብ ሰኔት ዓብላላይ ኮይኑ ዝደልዮም ኣጀንዳታታት ንምፍጻም ክሕግዞ እዩ፡፡

ኣብዚ ናይ ኮንግረስ ኣኼባ እንታይ እዩ ዝግበር?

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓበራዊ ኣኼባ ተወከልቲ ህዝብን ሰኔትን፡ ካብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ተዓሺጉ ዝተልኣኸ ድምጺ ዝሓዘ ሰርተፊከት ክኸፍቱ እዮም፡፡

ኣብ ስርዓት መረጻ ኣመሪካ፡ ፈለማ ክመርጽ ዝፍቀደሉ ህዝቢ ንወከልቲ መረጽቲ እዮም ዝመርጹ፡ እቶም ተመረጽቲ (ኤለክቶራል ኮሌጅ) ድማ ድሕሪ እቲ መረጻ ነቶም ተወዳደርቲ ይመርጹ፡፡

ኣብቲ ኢሌክቶራል ኮሌጅ፡ ጆ ባይደን 306 ድምጺ ክረክብ ከሎ፡ ትራምፕ ድማ 232 ድምጺ ረኺቡ፡፡

ካብቶም ክልተ ባይቶታት ዝተወከሉ ኣባላት ክልቲኦም ሰልፍታት ድማ፡ ነቶም ውጽኢታት ብምርኣይ ብወግዒ ቆጺሮም የረጋግጹ።

ኣብዚ ገለ ካብቲ ባይቶን ሰኔትን ዝመጹ ኣባላት ሪፖብሊካን ውጽኢት ኣጠራጠርቲ ዝኾና ዝበልውን ግዝኣታት ኣመልኪቶም ተቓውሞ ከምዘቕርቡ ትጽቢት ይግበር፡፡

ሓደ ካብኦም ዝኾነ ሰነተር ቴድ ክሩዝ ድማ ካብ ዓሰርተ ንዝበዝሑ ምትላል ነይሩ እዩ ዝብል ክሲ ክሳብ ዝጻረ እቲ ቆጸራ ንዓሰርተ መዓልቲ ክናዋሕ ዝጠልቡ ሰናተራት ይመርሕ ኣሎ፡፡

ከም ፕረዚደንት እቲ ሰኔት መጠን፡ ንዓወት ጆ ባይደን ከበስር ትጽቢት ዝግበረሉ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ ግና ነቲ ከይዲ ደጊፉዎ እዩ። ነቲ ምትላላት ነይሩ ብምባል ከቕርቦ ዝጸንሐ ክሲ እውን ገዲፍዎ እዩ፡፡

ብመሰረት ሕጊ መረጻ ኣመሪካ፡ ግደ ማይክ ፐንስ ምምሕዳራዊ እዩ፤ እንተኾነ ዶናልድ ትራምፕ ግን ምስኡ ክውግን እዩ ዝምሕጸኖ ዘሎ።

ብኣባላት ወከልቲ ህዝብን ሰኔትን ዝቐርብ ተቓውሞ ምስ ዝህሉ፡ ክልተ ሰዓታት ብዝወስድ ክትዕ ብሰራዕቲ ሕጊ (ኣባላት ባይቶ) ምስተርኣየ ድምጺ ተዋሂቡ ይውሰነሉ፡፡

ተቓውሞታ ተቐባልነት ክረኽቡ ድማ ካብ ክልቲኦም ባይቶታት ዝለዓ ድምጺ ክረኽቡ ኣለዎም፡፡

ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ብረት ከይሕዙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡