ትራምፕ፡ ንሓላፊ መረጻ ጆርጅያ 'ድምጺ ርኸበለይ' ምባሉ የዘራርብ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ውጽኢት መረጻ ንምቕያር ንሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መረጻ ግዝኣት ጆርጅያ 'ድምጺ ርኸበለይ' ኢሉ እንትዛረቦ ቃሉ ከምዝተቐድሐ ዋሺንግተን ፖስት ኣቃሊዑ።
ትራምፕ፡ ንምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምስዓር፡ "11,780 ድምጺ እዩ ዘድልየኒ" ክብል ንዋና ጸሓፊ ሪፐብሊካን ብራድ ራፈንስፔርገር ከምዝተዛረቦ እቲ ዋሺንግተን ፖሰት ዘቃለሖ ዝተቐድሓ ድምጺ ዝርርብ ትራምፕ የመልክት።
እንተኾነ፤ ራፈንስፔርገር ናይ'ታ ግዝኣት ውጽኢት መረጻ ልክዕ እዩ ኢሉ መሊስሉ።
ትራምፕ፡ ኣብቲ መረጻ ከምዝሰዓረ ብምግላጽ፡ "ካልኣይ ሪእየ ኣስሊሐዮ ኢልካ ምቕራብ ጌጋ የብሉን" ክብል ይስማዕ ኣብቲ ዝርርብ ቴሌፎን።
እቲ ዋና ጸሓፊ ግና፡ "እቲ ጸገም ዝኸውን፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሓበሬታ ጌጋ እዩ" ክብል ይስማዕ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ስልኪ ዝርርቦም ድማ፡ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ናይ መረጻ ቦታ ድምጺ ዝተውሃበሎም ወረቓቕቲ ከምእተቐደዱን፡ ድምጺ መውሃቢ መሳርሒ'ውን ካብ ቦትኡ ተኣልዩ ምንባሩን ወረታት ኣሎ ኢሉ ክዛረብ ይስማዕ።
ጠበቓ ናይ'ቲ ዋና ጸሓፊ ከምዝብሎ፡ እቲ ብትራምፕ ዝቐረበ ክሲ ሓቂ ኣይኮነን።
ካብኡ ድማ፡ 'እቲ ዘቕርቦ ዘለኹ ቕረታ ብግቡእ ኣይትሪኦን ዘለኻ' ብዝብል ገበን ከምዝኾነን 'ሕጋዊ ስጉምቲ' ክወስደሉ ከምዝኽእልን ከፈራርሖ ይስማዕ።
እቲ ዝርርቦም ብኸምኡ ይቕጽል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ድማ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትዊተሩ፡ "ራፈንስፔርገር፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ምትላል ድምጺ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት የብሉን" ክብል ጽሒፉ።
እቲ ዋና ጸሓፊ መሊሱ፡ "ሚስተር ፕረዚደንት ምስ ኣኽብሮት፤ እቲ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ኣይኮነን፤ እቲ ሓቂ ክወጽእ እዩ" ዝብል ምላሽ ሂብዎ።
ብዛዕባ እቲ ሸሊኹ ዝወጽአ ድምጺ፤ ዛጊድ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተብሃለ ነገር የለን።
ጆ ባይደን፡ ንጆርጅያን ካልኦት ናይ ሪፐብሊካን ቀንዲ ትሕዝቶታት ዝነበራ ሓዊሱ፡ ብሓፈሻ ካብቶም ኤሌክቶራል ኮሌጅ፡ 306 ብምርካብ እንትዕወት፤ ትራምፕ ብወገኑ፡ 232 ሒዙ ተሳዒሩ።
ትራምፕ፤ ካብ'ታ እቲ ድምጺ ምሃብ ዝተጀመረላ ዕለት፡ ሕዳር 3 ጀሚሩ፡ 'ምትላላት ይፍጸም ኣሎ' ዝብል ጥርዓናት እንተቕረበ'ኳ፡ ዛጊድ ንቤት ፍርዲ መርትዖ ከቕርብ ኣይከኣለን፤ ኣይቀንዖን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩለን እተን 50 ግዝኣታት፡ ደጊሙ ዝተረጋገጸ ውጽኢት መረጻ ዕላዊ ዝገበራ ኾይነን፡ ክሳብ ሕዚ ትራምፕ ዘቕረቦም 60 ቅረታት ተቐባልነት ኣይረኸቡን።
ገለ ገሊአን ደጊመን እየን ድምጺ ቆጸራ ኣካይደን።
ኮንግረስ ኣብ መጻኢ ጥሪ 6፡ ውጽኢት መረጻ እታ ሃገር ዕላዊ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።
ምሩጽ ፕረዚደንት [ዲሞክራት] ጆ ባይደን ድማ፤ 20 ጥሪ ዕላዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክስየም እዩ።
ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ፡ መረጽቲ ጽባሕ ሰሉስ ንኽልተ ኣባላት ሰኔት [ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት] እታ ግዝኣት ደጊሞም ዝመርጹ እንትኸውን፡ እቲ ውጽኢት ኣብ'ታ ግዝኣት ኣየናይ ሰልፊ ልዕልና ከምዝህልዎ ዝውስን እዩ ተባሂሉ።
ክልቲኦም ሕጹያት ዲሞክራት እንተስዒሮም፡ ማዕረ ቁጽሪ ሴኔተርስ ይህሉ'ሞ፡ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ናይ ምውሳን ጸብለልታ ይህልዋ።
ርግጽ እቲ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፤ ብብዝሒ ብዲሞክራት ተታሒዙ እዩ።
ብካልእ ምዕባለ፡ 10 ብህይወት ዘለዉ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገር ዝነበሩ ሰበስልጣን፡ ትራምፕ ንውጽኢት'ቲ መረጻ ክቕበል ኣብ ዋሺንግንተን ፖሰት ናይ ሓባር ርእይቶ ጽሒፎም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







