ባይቶ ኣሜሪካ ንዓወት ጆ ባይደን ብወግዒ ኣረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብመዚ ዶናልድ ትራምፕ ብሰንኪ ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ዝፈጠርዎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ጀሚሮም።
ገለ ካብቶም ሎሚ ስልጣኖም ዘረከቡ፡ ግዝያዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሚክ መልቫኒ፡ ሓላፊ በጀታዊ ጉዳያትን ምክትል ቤት ጽሕፈት ፕረስ 'ዋይት ሃውስ'ን ይርከብዎም።
ዋላ'ኳ በቲ ኮይኑ በቲ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምስ ትራምፕ ክሰናበቱ ዝነበሮም እንተኾነ፡ ተቓውምኦም ንምስማዕ ዝወሰድዎ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ሓያሎ ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ነበር'ውን፡ ነቲ ናዕቢ ብምትብብዑ ኣትሪሮም ይነቕፉ ኣለዉ።
ኣብቲ ናዕቢ 4 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ብዙሓት ቆሲሎም ኣለዉ።
እቶም ናብ ሕምብርቲ ስርዓተ-ፖለቲካ እታ ሃገር ዝኾነ መንበረ ባይቶ እታ ሃገር ብምእታው ዕንወት ኣውሪዶም።
ገለ ካብኣቶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ ነቶም ዝተረፉ ንምሓዝ ጻዕርታት የካይዱ ከምዘለዉ ሰብመዚ ጸጥታ ኣፍሊጦም።
ባይቶ ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን፡ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዘዲንትን ኣሜሪካ ኮይኖም ምምራጾም ኣረጋጊጹ።
ክልቲኡ ባይቶታት ኣሜሪካ ማለት ሰኔትን ባይቶ ተወከልትን ነቲ ኣብ ግዝኣታት ፔንሲልቫንያን ኣሪዞናን ምጥፍፋእ ነይሩ ንዝብል ክሲ ድሕሪ ምንጻጉ እዩ እቲ ናይ ኤሌክቶራል ድምጺ ጸዲቑ።
ብረቡዕ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ናብ ህንጻ 'ካፒቶል' ደፊኦም ብምእታዎም እቲ ንቡር ስራሕ እቲ ባይቶ ተዓናቒፉ ነይሩ። ጸኒሑ ግና እቲ ህንጻ ካብቶም ሰለፍኛታት ነጻ ድሕሪ ምዃኑ'ዩ እቲ መስርሕ ምሉእ ለይቲ ቀጺሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ጥሒሶም ዝኣተዉ ደገፍቲ ትራምፕ ቁጠዐኡ ገሊጹ እዩ።
ኣብ’ቲ ናዕቢ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብጥይት ከምዝተቐትለት’ውን ተገሊጹ። ትራምፕ ነቲ ናዕቢ ከውግዞ ድማ፡ ጆ ባይደን ጠሊቡ’ሎ።
ትራምፕ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ፈለማ ናብ ባይቶ ኣመሪካ (ካፒቶል) ገጾም ክኸዱ ሓቢርዎም፡ ጸኒሑ ድማ “ንገዛኹም ኪዱ” ክብል ጸዊዑ።
ንዓወት ጆ ባይደን ንምርግጋጽ፡ ክልቲኦም ባይቶታት ኣኼባ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እዩ፡ እቶም ናዕበኛታት ናብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ጥሒሶም ዝኣተዉ።
በዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ኣኼባ ተቛሪጹ’ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ክጅምር ክኢሉ’ሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፔንስ ነቲ ኣኼባ መሊሱ ከጀምር ከሎ “ኣብ ታሪኽ ባይቶ ኣመሪካ፡ ጸልማት መዓልቲ” ክብል ገሊጽዎ።
እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ እናተጓነጹ እዮም ናብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ በጺሖም። ስእሊ ትራምፕን ናይ ኣመሪካን ባንዴራ እናንበልበሉ ድማ፡ ጥሒሶም ናብ ‘ካፒቶል’ ኣትዮም።
ንሶም፡ እቲ ትራምፕ ዝተስዓረሉ ውጽኢት መረጻ ክቕየር እዮም ዝጠልቡ።
እቶም ናዕበኛታት ነቲ ህንጻ ከዕለቕልቕዎ ኸለዉ፡ ጠያይትን መንብዒ ትኪን ክትኮስ እንከሎ፡ ኣባላት ባይቶ ነብሶም ከድሕኑ ናብ ትሕቲ መንበሮም ክሕብኡ ተራእዮም።
ኣብ’ቲ ዕግርግር ብጥይት ዝተወቕዐት ሓንቲ ሰብ፡ ህይወታ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ገሊጹ።
ክልተ ነተጉቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተጠርጠሩ ነገራት ብኤፍቢኣይን ፖሊስ ናይ’ቲ ህንጻን ከምዝተታሕዙ፡ ሰብመዚ ጸጥታ ፌደራል ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጆ ባይደን እንታይ ኢሉ?
ኣብ’ቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ንትራምፕ ስዒሩ ዝተዓወተ ጆ ባይደን፡ ‘ዴሞክራሲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ መጥቃዕቲ ይበጽሖ ኣሎ’ ክብል ተዛሪቡ።
“ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ንሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ክሕሉ ቃል ብዝኣተዎ መሰረት፡ እዚ ናዕቢ ከብቅዕ ክጠልብ ኣለዎ” ክብል ባይደን ተዛሪቡ።
“ናብ ህንጻ ባይቶ ጥሒስካ ምእታው፣ መሳኹቲ ምስባር፣ ናብ ናይ ሰኔት ቤት ጽሕፈታት ብሓይሊ ምእታው፣ ውሕስነት ዝተመረጹ ሰብመዚ ናብ ሓደጋ ምእታው … ተቓውሞ ዘይኮነስ ናዕቢ እዩ” ኢሉ።
ትራምፕ ኸ እንታይ በለ?
ትራምፕ ቀዲሑ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ‘እቲ መረጻ ምትላል ነይርዎ’ ንዝብል ጭብጢ ዘይብሉ ዘረብኡ እዩ ደጊምዎ።
ኣብ’ቲ ነቶም ናዕበኛታት ዘሕለፎ መልእኽቲ “እፈልጥ እየ ክሳብ ክንደይ ከምዝተጎዳእኹም” ድሕሪ ምባል፡ ብብዙሕ ድምጺ እኳ እንተተዓወተ ድምጺ ግን ተሰሪቑና ክብል ከሲሱ።
“ሕጂ ግን ናብ ገዛኹም እተዉ። ሰላም ክህልወና ኣለዎ” ኢሉ።
ትዊተር ንፈለማ እዋን ንናይ ትራምፕ ገጽ ኣጊድዎ ኣሎ። ን 12 ሰዓታት ከምዝዓጸዎ ድማ ትዊተር ኣፍሊጡ።
ብምስዓብ፡ ትራምፕ ዝጸሓፎም ናዕቢ ዘለዓዕሉ 3 ጽሑፋት ክኣልዮም፡ እንተዘየሎ ግን “ንሓዋሩ ክእግዶ ምዃኑ” ኣጠንቂቑ’ሎ።
ፌስቡክን ኢንስታግራምን’ውን ንኣሰር ትዊተር ስዒቦም ኣለዉ።
ብረቡዕ፡ ትራምፕ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተመንግስቲ ኣመሪካ “ሰልፊ ምድሓን ኣመሪካ” ብዝብል ንደገፍቱ ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ። ደገፍቱ ናብ ህንጻ ባይቶ ገጾም ክኸዱ ድማ ነጊርዎም ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







