መረጻ 2020፡ ትራምፕ ባይደን ሕልሚ ኣመሪካ ‘ከዕንዎ’ዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተነሓናሒኡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን መጻኢ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ እንተተዓዊቱ ሕልሚ ኣመሪካ "ከዕኑ" እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ትማሊ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣኼባ ሪፓብሊካን ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ መወዳድርቱ "ኣዕናዊ ዓብላልነት ኣመሪካ" ክብል ገሊጹዎ።
ዴሞክራት ኣብ ከተማታት ኣመሪካ "ስርዓት ኣልቦነት" ከውርዱ'ዮም እውን ኢሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ከቢድ ቑጠባዊ ማህሰይቲ ዘውርድ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከብቅዕን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ክከላኸልን ከም ዝሰርሕ ብምግላጽ፡ መረጽቲ ንዝቕጽሉ 4 ዓመታት ድምጺ ክህቡዎ ሓቲቱ።
"እዚ መረጻ ሕልሚ አመሪካ እነድሕነሉ ወይ'ውን ጽሕፍቶና ብኣጀንዳ ሶሻሊስት ክፈርስ እነፍቅደሉ ዝውስን እዩ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ድምጽኹም ሕጊ ንዘኽብሩ ኣመሪካውያን እንሕልወሉ ወይ'ውን ዜጋታት ንዘፍርሑ ዓመጸኛታት፣ ጎስጎስትን ገበነኛታትን ልጓም ዘይብሉ ዕድል ዝህብ ክኸውን ዝውስን'ዩ" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ድሕሪ ቕትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝበርትዐን ናብ ዓመጽ ተቐይሩ ኣብ ፊት ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ጎስጓስ ዓሌታዊ ማዕርነት [Black Lives Matter] ብተደጋጋሚ'ዩ ዝነቕፎ።
ሰልፊ ዴሞክራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪካ ናይ ዓሌት፣ ማሕበራውን ቑጠባውን ዘይፍትሓውነትን በደልን ዘለዋ ሃገር'ያ ምባሎም ይዝከር።
ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ "ሃገር እናኸፋፈለ ዝውዕል ሰልፊ ከመይ ኣቢሉ'ዩ ንሃገርና ክመርሕ? ዝብል ቀሊል ሕቶ ክሓተኩም" ብምባል ነቒፉዎም።
ዴሞክራት ኣመሪካ ኣብ ዓለም ብርቅን ናጻን ሃገር ዘይኮነ "ንዝፈጸመቶ ሓጢኣት እትቕጻዕ ዝተረገመት ሃገር" ገይሮም'ዮም ዝጥምቱዋ ዝበለ ትራምፕ፡ ተነሓናሒኡ ጆ ባይደንት ድማ "ሕልሚ ሰራሕተኛታት ኣመሪካ ንካልኦት ኣሕሊፉ እናሃበ፣ ዶባትን ስራሕን ኣመሪካውያን ንኻልኦት ከፊቱ ኣመሪካውያን ንኲናት ካልኦት ሃገራት ብምልኣኽ'ዩ ግዚኡ ኣሕሊፉዎ" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘረብኡ ንጆ ባይደን 40 ግዜ ዘልዓሎ ኮይኑ ዴሞክራት ኣብ ዝነሮም ተመሳሳሊ መድረኽ ግን ሓደ ግዜ እንተኾነ'ውን ሽም ትራምፕ ኣየልዓሉን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዴሞክራት እንታይ ይብሉ'ለው?
ሕጹይ ተወዳዳሪ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ ጆ ባይደን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ምኽትል ፕሬዝደንት'ዩ ነይሩ።
"ትራምፕ፡ ሎሚ ምሸት ኣብ ትሕቲ ባይደን ዝመርሓ ኣመሪካ ውሑሳት ኣይኮንኩምን ክብል እንከሎ ኣብ ትሕቲኡ ክንደየናይ ውሕስና ከም ዝስምዓኩም ንርእስኹም ሕተቱ" ክብል ብትዊተር ጽሒፉ።
ምክትሉ ገይሩ ዝሓረያ ካማላ ሃሪስ'ውን፡ ቅድም ኢሉ "ዶናልድ ትራምፕ እቲ ስልጣን ኣይርድኦን" ክትብል ነቒፋቶ እያ።
ወሲኻ፡ "ዶናልድ ትራምፕ እቲ ቁልፊ ስራሕ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኣብ ምፍላጥ ወዲቑ'ዩ። ብቐሊሉን ብግልጽን ዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ምሕላው ወዲቁ'ዩ" ኢላቶ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







