ምርጫ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ንባይደን 'ቅድሚ ክትዕ ምግጣምና መርመራ ሓሺሽ ንግበር' ኢልዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Getty
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሕጹይ ዴሞክራት ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ጆ ባይደን ብቐጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ ፈላማይ ክትዕ ከካይድ እዩ።
ቅድሚኡ ግን ጆ ባይደን መርመራ መተባብዒ መድሃኒት ክገብር ጸዊዑ፡፡
ጆ ባይደን ንዴሞክራት ወኪሉ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየዶም ክትዓት ሃንደበታዊ ምምሕያሻት ከም ዝተዓዘበን ዘይተጸበዮ ዓቕሚ ከም ዝርኣየን ዶናልድ ትራምፕ ን ዋሽንግተን ኤግዛማይነር ተዛሪቡ።
ይኹን'ምበር እቲ መቐናቕንቱ ዝተፈለየ ዓቕሚ ንምርኣይ ሓሽሽ ዝጥቀም ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓበሬታ እኳ እንተዘይኣቕረበ፡ "ኣነ ከምዚ ዝበሉ ነገራት ኣብ ምስትውዓል ንፉዕ'የ" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ቅድሚ እቲ 3 ሕዳር ዝካየድ መረጻ ሰለስተ ናይ ቀጥታ ክትዓት ቴሌቪዥን ክህልዎም እዩ።
ትራምፕ ኣብ 2016 እውን መቐናቕንቱ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ቅድሚ እቶም ክትዓት ሓሽሽ ወሲዳ እያ ብዝብል፡ ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ቴሌቪዥን ቀጥታዊ ክትዕ ብተመሳሳሊ መርመራ ክትገብር ሓቲቱ ነይሩ እዩ።
ኮይኑ ግና ጋንታ ሂላሪ ክሊንተን ንጠለብ ትራምፕ ኣይተቐበሉዎን።
ሎሚ ኣብ ዋዕላ ሪፐብሊካን መደረ ክገብር ትጽቢት ዝግበር ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ጆ ባይደን ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ ዲሞክራት ክትዕ ክእለቱ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።
እንተኾነ ትራምፕ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኣብቶም 11 ፈላሞት ናይ ዲሞክራት ሰባት ኣብ ዝተኣከበሎም ናይ ቴሌቪዥን ቀጥታዊ ክትዓት ሓሳባቱ ‘‘ዝሳነ ኣይነበረን’’ ኢሉ፡፡
"ትሑት ናይ ምክታዕ ዓቕሚ ዝነበሮ (ባይደን) ከመይ ኢሉ ምስ በርኒ ሳንደርስ ኣብ ምክታዕ ከም ዝነፍዐ ኣይፈልጥን’’ ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ "ዊንስተን ቸርችል ኮይኑ ነይሩ ማለተይ ግን ኣይኮነን፤ ተራን ዘሰልቹን ክትዕ እዩ ነይሩ። ዝተፈለየ ዘገርም ነገር ኣይተፈጠረን፡፡ ስቕ ኢሉ ከምኡ ክኸውን ስለ ዘይክእል ግን መርመራ ክገብር ንሓትት ኣለና" ኢሉ፡፡
ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ጆ ባይደን ተወሰኽቲ ክትዓት ክዳለዉሉ ንኮምሽን መረጻ ሓቲቱ ኣይተቐበሉዎን፡፡
ብተወሳኺ ኣቐዲሞም ንዝመርጹ ሰባት ክሕግዝ ብዝብል እቶም ክትዓት ቅድም ኢሎም ክካየዱ ዘቕረቦ ሕቶ እውን ኣይሰመረሉን፡፡
ወዲ 74 ዶናልድ ትራምፕን ውዲ 77 ዓመት ጆ ባይደንን፡ ነንርእሶም ‘‘ተጸሊሉ እዩ’’ ተባሃሂሎም ክላገጹ ተሰሚዖም እዮም፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







