ሃገራዊ ባይቶ ኣመሪካ፡ ብፖስታ ንምድማጽ፡ 25 ቢልዮን ዶላር መዲቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መጻኢ ሕዳር ክካየድ መደብ ዝተትሓዘሉ ሃገራዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ህዝቢ ድምጹ ብፖስታ ኣቢሉ ክልእኽ ዝተወሰነ ኾይኑ፡ ንምምሕያሸ ኣገልግሎት እቲ ቤትጽሕፈት ፖስታ ዝውዕል፡ 25 ቢልዮን ዶላር ክምደብ ዘፍቅድ ረቂቕ ሕጊ ጸዲቑ።
እቲ ረቂቕ፡ ኣብ እዋን መረጻ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፖስታ ከጋጥም ዝኽእል ዝኾነ ዓንቀፍቀፍ ዘትርፍ እዩ ተባሂሉ ።
ርግጽ እዚ ረቂቕ ሕጊ ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሰልፍታት ኣፈላላይ ተፈጢሩ ኣሎ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት፡ እቲ ረቂቕ ሕጊ ንክሓልፍ ኣዝዮም ጎስጒሶም እዮም።
ቅድም ክብል፡ እቲ መረጻ ብኮሮናቫይረስ ኣሳቢቡ ከናውሕ ሃቂኑ ዝነበረ ፕረዚደንት ትራምፕን ናቱ ሰልፊ ዝኾነ ሪፐብላከን ድማ፡ እዚ ረቂቕ ናይ ሰልፊ ዲሞክራት ውዲት እዩ ኢልዎ።
“ተወከልቲ እቲ ቤት ጽሕፈት ፖስታ፡ 'ዝኾነ ገንዘብ ኣይንደልን ፡ እንልውጦ ነገር’ውን ኣይክህሉን' ኢሎም እዮም” ዝበለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሰኔት ውድቂ ክኸውን ክሰርሕ ምዃኑ ኣብ ትዊተሩ ተሓንዩ ኣሎ።
እቲ ሰኔት ብኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን ዝተዓብለለ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
ሓላፊ ቤት ፖስታ ኣመሪካ ዝኾነ ጀነራል ሎዊስ ዲጆይ፡ ቅድም ክብል፡ ስካብ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ዝኾነ ወጻኢ ናይ ምንካይ መደባት ከይፍጸም ጠጠው ኣቢሎም ከምዝነበሩ እዩ ዝዛረብ።
ይኹን’ምበር ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣዋህባ ዝተወሰነ ምዝሕሓላት ከምዝተረእየ ዝገልጹ ኣለዉ።
ኣብቲ እዋን መረጻ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ምጉታት ኣብቲ ናይቲ መረጻ ውጽኢት’ውን ጽልዋ ከይፈጥር ስግኣት ይሓደሮም።
ተወሳኺ በጀት ንምንታይ
እቲ መረጻ ክናዋሕ ገለ ሕቶ ኣልዒሉ ዝነበረ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ብመገዲ ፖስታ ዝወሃብ ድምጺ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንምትልላን ድምጺ ንምስራቕን ዝተቓለዐ ምዃኑ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ።
እንተኾነ ብፍላይ እቲ መረጻ ክናዋሕ ኢሉ ንዘቕረቦ ሓሳብ፡ ካብ ናይ ባዕሉ ሰለፊ ከይተረፈ ተቓውሞ በጺሕዎ።
ብለባዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተጠቐዑ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኣመሪካ፡ ብኣ ኣሳቢብካ መረጻ ምንዋሕ ግን ዝሕሰብ ኣይኮነን።
ሕዚ ነቲ ተወሳኺ ባጀት ዝሓተተ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ፖስታ፡ ዲሞክራት ጥራሕ ከይኮኑስ ብርክት ዝበሉ ሪፓብሊካን ድማ፡ ድጋፎም ሂቦምሉ እዮም።
እቲ ሓድሽ ረቂቕ ናይ መረጻ ድምጺ ዝሓዙ ፖስታታት፡ ቀዳማይ ደረጃ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘኽእል ኮይኑ እቲ መልእኽቲ ኣብ እዋኑ ናብቲ ዝድለ ቦታ ክበጽሕ ዘኽእል እዩ-ተባሂሉ።
ከምኡ ድማ፡ ብዝኾነ መገዲ ክሳብ እዚ ናይታ ሃገር ጉዳያት መረጻ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝዛመም፡ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ቤት ጽሕፈት ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከይግበር፡ ሰራሕተኛ ከይንከ፣ ጉድለት ሰራሕተኛታት ኮነ ማሺናት እንተለዎ ከማልእን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







