ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኑ ብሰለማዊ መገዲ ከርክብ ምዃኑ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ መግለጺ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስልጣኑ "20 ጥሪ ብሰላማዊ መገዲ" ከረክብ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ነይሩ ክብል ሕጂ'ውን ነቲ ጭብጢ ዘየቕረበሉ ክሲ ደጊሙዎ።
"ወላ'ኳ ምስ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ፈጺመ ዘይሰማማዕ እንተኾንኩ፡ ጥሪ 20 ግና ሰላማዊ ምስግጋር ናይ ስልጣን ክህሉ እዩ" ኢሉ ኣብቲ ብመገዲ ትዊተር ናይ ኣፈኝኡ ዝዘርግሖ መግለጺ። ትዊተር ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ን12 ሰዓታት ዝጸንሕ እገዳ ብምንባሩ፡ ገጽ ትዊተር ናይቲ ፕረዚደንት ሓድሽ ጽሑፍ ክልጥፍ ኣይኽእልን።
እቲ ፕረዚደንት "ሕጋዊ ድምጺ ጥራይ ክቑጸር፡ ቃልስና ቀጻሊ ከም ዝኸውን ወትሩ ዝብሎ እዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ፕረዘዲንትታት መዛዘሚ ናይቲ ዝዓበየ ቀዳማይ ዕምሪ እኳ እንተኾነ መፈለምታ ናይቲ ንኣሜሪካ ዳግም ዓባይ ናይ ምግባር ሕልምና እዩ" ኢሉ።
ነቲ ናይ ሕዳር ምርጫ ንምብዳህ ብጉጅለ ጎስጓስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተኸፍተ ልዕሊ 60 ሕጋዊ ክስታት ፈሺሉ እዩ።
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ሕዳር 6 ከምዝተኻየደን፡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ከምዝተዓወተን ይፍለጥ። ጆ ባይደን ኣብቲ መርጫ ንክዕወት ዘድልዮ 270 ድምጺ ኢሌክቶራል ኮለጅ ምስ ረኸበ'ዩ ዓወቱ ተረጋጊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ ኣብቲ ምርጫ ምድንጋራት ነይሩ ክብል ነቲ ውጽኢት ምርጫ ክሳብ ሕጂ ከይተቐበሎ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝኾነ ምድንጋራትን ምጥፍፋእ ድምጽን ከምዘይነበረ እዩ ዝግለጽ።
ባይቶ ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን፡ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዘዲንትን ኣሜሪካ ኮይኖም ምምራጾም ሎሚ እዩ ብወግዒ ኣረጋጊጹ።
ክልቲኡ ባይቶታት ኣሜሪካ ማለት ሰኔትን ባይቶ ኣመሪካን ነቲ ኣብ ግዝኣታት ፔንሲልቫንያን ኣሪዞናን ምጥፍፋእ ነይሩ ንዝብል ክሲ ድሕሪ ምንጻጉ እዩ እቲ ናይ ኤሌክቶራል ድምጺ ኣጽዲቑ።
ብረቡዕ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ናብ ህንጻ 'ካፒቶል' ደፊኦም ብምእታዎም እቲ ንቡር ስራሕ እቲ ባይቶ ተዓናቒፉ ነይሩ። እቲ ህንጻ ካብቶም ሰለፍኛታት ነጻ ምስ ኮነ ድማ እቲ መስርሕ ምሉእ ለይቲ ቀጺሉ።
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ጥሒሶም ዝኣተዉ ደገፍቲ ትራምፕ ቁጠዐኡ ገሊጹ እዩ።
ብኻልእ ወገን ምስ ትራምፕ ብቐረባ ዝሰርሑ ክልተ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ነበር፡ ነቲ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ንትራምፕ ነቂፎምዎ። ጸሓፊ ምክልኻል ነበር ጀምስ ማቲስ፡ ትራምፕ ነቲ ጎንጺ ከም ዘሳወረ ከሲሱ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ሎሚ ንደሞክራሲ ኣሜሪካ ብናዕቢ ንምንብርካኽ ዝፈተነ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ባይቶና ተፈጺሙ፤ እዚ ብትራምፕ ዝተልዓዓለ እዩ" ኢሉ።
ጀምስ ማቲስ ኣብ 2018 ኣብ ጉዳይ ሶርያ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ዘይምስምምዑ እዩ ስልጣኑ ሓዲጉ። ንሱ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣንጻር ግፍእታት ፖሊስ ኣሜሪካ ዘቕንዐ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝተርኣየ ተቓውሞታት፡ ንምላሽ ትራምፕ ብጽኑዕ ዝነቅፍ እዩ።
ብዘይካ'ዚ ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ነበር ጆን ኬሊ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣሜሪካ ክመርሓ ንመን ትመርጽ ኣጸቢቓ ክተርእይ ይግባእ ኢሉ። ናይ ተወዳደርቲ ባህሪ፡ ሞራል፡ ስነምግባርን ቅንዕናን ኣጸቢቕካ ክፍተሽ ኣለዎ ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







