ናዕቢ ካፒቶል፡ ትራምፕ ስልጣኑ ‘ብስርዓት’ ከረክብ ምዃኑ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, White House via Twitter
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ስልጣኑ ‘ብስርዓት’ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ደገፍቱ ናብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ጥሒሶም ብምእታው ዕግርግር ድሕሪ ምልዓሎምን፡ እዚ ድማ ብዙሕ ውግዘት ምስኣኸተለን እዩ።
ኣብ ትዊተር ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክጽሕፍ ዝተፈቐደሉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቶም ናዕበኛታት ንዝፈጸምዎ “ዘደንጹ መጥቃዕቲ” ነቒፉ።
ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣብ ዝጽውዕሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክወርድ 13 መዓልታት ጥራይ እኳ ተሪፈንኦ እንተለዋ፡ ገለ ሰብመዚ ግን ቅድሚኡ ስልጣኔ ክሕደግ ከምዘለዎ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
እዚ ሓድሽ ዘረባ ናይ ትራምፕ፡ ኣብ’ቲ ብሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ስዕረቱ ዝተቐበለሉ ፈላማይ ዘረብኡ ከምዝኾነ እዮም ብዙሓት ዝኣምኑ።
ኣብ’ቲ ቪድዮ፡ ከም’ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝገብሮ ዝነበረ፡ ጭብጢ ዘይብሎም ‘ኣብ መረጻ ምትላል ነይሩ’ ዝብል ዘረባታት ኣይደጋገመን።
ብረቡዕ ደገፍቱ ናዕቢ ቅድሚ ምልዓሎም፡ ንሱ እዩ ናብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ገጾም ክኸዱ ነጊርዎም። ንሶም ድማ ናብ ውሽጢ ጥሒሶም ኣትዮም።
ትራምፕ እንታይ በለ?
ትራምፕ ካብ ትዊተር ን 12 ሰዓታት ተኣጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓሙስ ምሸት እዩ ተመሊሱ። ትዊተር፡ ጽሑፋት ትራምፕ ጎንጺ ከለዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እዩ ኣጊድዎ።
ኣብ’ቲ ሓድሽ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ “ባይቶ ነቲ ውጽኢታት ኣጽዲቕዎ ስለዘሎ፡ ኣብ 20 ጥሪ ሓድሽ ምምሕዳር ክቐውም እዩ” ኢሉ። ስልጣኑ ብስርዓት ከረክብ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ነቶም ናብ ባይቶ ጥሒሶም ዝኣተዉ ናዕበኛታት ንምስጓግ ሓይልታት ጸጥታ “ሽዑ ንሽዑ ኣዋፊረ’የ” ኢሉ።
እንተኾነ፡ ገለ ሚድያታት ግን፡ ትራምፕ ነቶም ሓይልታት ጸጥታ ከእቱ ሕስይስይ ስለዝበለ፡ ምክትሉ እዩ ነቶም ሓይልታት ጸጥታ ክኣትዉ ኣዚዙ ይብሉ።
ትራምፕ ነቶም “ዘደንቑ” ዝበሎም ደገፍቱ ድማ ዘወደሰ ኮይኑ “ጉዕዞና ጀሚሩ’ምበር ኣየብቀዐን” ኢሉዎም።
ትራምፕ፡ ኣብ’ቲ ብሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዝሰዓረ ንሰሙናት ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ሓቂ ኣይኮነን።
ኣብ’ቲ ሓድሽ ቪድዮ ግን፡ ስዕረቱ ዝኣመነ ይመስል።
ቅድም ክብል፡ ብዛዕባ ባይደን ኣብ ትዊተር ክጽሕፍ ከሎ “ንሱ ዝሰዓረ እቲ መረጻ ምትላል ስለዝነበሮ እዩ” ኢሉ ነይሩ።
ብሓሙስ፡ ቀዳመይቲ እመበይቲ ኣመሪካ ነበር፡ ሚሼል ኦባማ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ነቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ናዕቢ ንትራምፕ ተሓታቲ ገይራቶ። ትዊተር ንሓዋሩ ክእግዶ ድማ ጸዊዓ።
መን ስልጣኑ ገዲፉ?
ሚኒስተር ትምህርቲ ኣመሪካ ቤትሲ ዴቮስን፡ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኤሌን ቻዎን፡ ድሕሪ’ቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ናዕቢ ሰልጣነን ገዲፈን እየን።
ቤትሲ ዴቮስ፡ ኣብ’ቲ ሰልጣና ንምግዳፍ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ነቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ዕግርግር ዘለዓዐሎ ትራምፕ እዩ ክትብል ወቒሳ።
ኤሌን ቻዎ ድማ፡ በቲ ዘጋጠመ ናዕቢ “ኣዝያ ከምዝተጨነቐት” ብምግላጽ እያ ንመዝነታ ገዲፋ።
ካልኦት ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት’ውን፡ ድሕሪ’ዚ ናዕቢ መዝነቶም ገዲፎም እዮም።
ካብኣቶም ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሚክ ሙልቫኔ፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ሃገራዊ ድሕነት፣ ከምኡ ድማ ናይ ቀዳማዊት እመቤት ሜላንያ ትራምፕ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ይርከብዎም።
ትራምፕ ስልጣኑ ክገድፍ ዝደልዮ ዘሎ መን እዩ?
ላዕለዎት ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ፡ ኣፈጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፔሎሲን መራሒ ሰልፊ ዴሞክራት ኣብ ሰኔት ቻክ ሹመርን ትራምፕ "ናዕቢ ስለዘለዓዐለ" ካብ ስልጣኑ ክእለ ጸዊዖም።
ነዚ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን ካልኦት ኣባላት ካቢነ ትራምፕን ኣቢሎም ከፈጽምዎ እዮም ዝደልዩ።
ፔሎሲን ሹመርን፡ ትራምፕ ብሕገመንግስቲ ኣመሪካ ዓንቀጽ 25 መሰረት ክእለ እዮም ጸዊዖም። እዚ ድማ፡ እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ወይ ድማ ኣካላዊ ሕማም ስርሑ ክሰርሕ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ስልጣን ክሕዝ ዝገብር እዩ።
ነዚ ንምግባር ግን፡ ስምምዕ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን ብውሕዱ መማ ካልኦት 8 ኣባላት ካቢነን የድሊ። እዚ ድማ፡ ንምፍጻሙ ከቢድ ይገብሮ።
ግደ ፖሊስ እንታይ ነይሩ?
ኣብ'ቲ ናይ ረቡዕ ናዕቢ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ኹነታት ዝኣለይሉ መገዲ ብዙሕ ነቐፌታ ኣስዒቡ እዩ።
ባይደንን ካልኦት ብዙሓትን፡ ፖሊስ ነዞም ናዕበኛታት ዝኣለየሉ መገዲ ብምርኣይ 'ጸለምቲ ሰልፈኛታት እንተዝኾኑ ግን ከም'ዚ ስቕ ኣይምበልዎምን' ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም እዮም።
ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዝተስኣሉ ስእልታት ከምዘርእይዎ፡ እቶም ሰልፈኛታት ፖሊስ ከይዓገቶም ከምድላዮም ጥሒሶም ክኣትዉ ይረኣዩ።
ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሰልፈኛ ኣብ ውሽጢ ህንጻ እቲ ባይቶ ብጥይት ዝቐተለ ኣባል ጸጥታ ድማ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ከዕርፍ ተገይሩ'ሎ።
ምስ'ዚ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ዛጊት 69 ሰባት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ፖሊስ ዋሺንግተን ገሊጹ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ሓደ፡ መሳርሒ ዓጢቑ ምንባሩን ተቐጻጸልቲ ነገራት ሒዙን ከምዝተረኸበ ተገሊጹ'ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







