ናይ ፕረዚደንትን ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዩትዩብ 'ቻነል' ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Google/Getty Images
ዩትዩብ ናይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዩቱዩብ 'ቻነል' ኣጊዱ።
ብጉግል ዝውነን ዩትዩብ፡ ናይ ፕዚደንት ትራምፕ ገጽ ብውሑድ ንሸውዓተ መዓልቲ ሓደሽቲ ቪድዮታት ከይጥቅዕን ቀጥታዊ ፈነወ ከይገብርን ከልኪልዎ።
እቲ ምእጋድ ካብቲ ዝተባህለ ግዘ ክነውሕ ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝኸልከለ ካልእ ትካል ኮይኑ ኣሎ።
ዩትዩብ፡ ናዕቢ ምልዕዓል ዝኽልክል ሕጊ ከምዝጠሓሰ ብምግላጽ እዩ ንቻነል ናይቲ ፕረዚደንት ከልኪሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብርክት ዝበሉ ቪድዮታት ጠቂዑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉግል ኣብቲ ዝኸልከሎ ቪድዮ እቲ ፕረዚደንት እንታይ ከምዝበለ ኣይገለጸን።
ቢቢሲ እቲ ዝተኸልከለ ቪድዮ እቲ ፕረዚደንት ብሓሙስ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝኾነ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ዩትዩብ ተጣበቕቲ መሰላት ኣንጻሩ ከምዝጉስጉሱ ምስ ኣፍለጡ እዩ ነቲ ቪድዮ ክኣልዮ ወሲኑ።

ምንጪ ስእሊ, YouTube
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር ፌስቡክ ዝተኻየደ ጎስጓስ ዘተሓባበረ ጂም ሲተር እዩ ሐዚ እውን ጉግል ንዩትዩብ ገጽ ትራምፕ ክዓጹ ጻውዒት ገይሩ።
"ንሓዋሩ ክምዝዓጽዉዎ ተስፋ ንገብር" ክብል ድማ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እቲ ናይ ሕዚ ግዝያዊ እገዳ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ጉግል፡ ዶናልድ ትራምፕ ነተን ሰለስተ ጭረት ሕጊታት እቲ ትካል ንኹለን እንተጥሒሱ ጠቕሊሉ ክእገድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቕዎ ኣሎ።
ሓላፊ ኩባንያ ኣፕል እውን ኣብቲ ኣብ ካፒቶል ዝተፈጠረ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኩሎም ክሕተቱ ከምዘለዎም ተዛሪቡ። ንሱ ንፕረዚደንት ትራምፕ ብቃል ኣይጥቀሶ እምበር ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ ብጥቡቕ ክረኣይ ዘለዎ ጉዳይ ከምዝኾነ እዩ ተዛሪቡ።
ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተገበሩ ካልኦት ክልከላታት
ትካላት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈጠረ ናዕቢ፡ ብውሑድ ጆ ባይደን 20 ጥሪ ስልጣን ክሳብ ዝርከብ ንፕረዚደንት ትራምፕ ከልኪሎምዎ እዮም።
ትዊተር ድማ ድማ ንሓዋሩ ኣጊድዎ እዩ።
ብተወሳኺ ብኣማዞን ዝውነን ትዊች፡ ኣካውንት ትራምፕ ከይሰርሕ ክገብሮ ከሎ፡ ኣብ ስናፕቻት ዝነበሮ ኣካውን እውን ክዕጾ ተገይሩ።
ሾፒፋይ፣ ፒንተረስት፣ ቲክቶክን ረዲትን እውን ምስቲ ፕረዚደንትን ውጽኢት መረጻ ምስ ምቕያር ዝተኣሳሰሩ ትሕዝቶታትን ንምእላይ ስጉምቲታት ወሲዶም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







