ናብ ኣመሪካ ዝውሕዝ ዝነበረ ቃፍላይ ስደተኛታት ኣብ ጓቲመላ ምሕላፍ ተኸልኪሉ

ጓቲማላ ወተሃደራትን ፖሊስን ስደተኛታት ምሕላፍ ከሊኦሞም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ካብ ማእኸላይ ኣመሪካ ዝነቐሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝርከብዎ ቃፍላይ፡ ኣብ ጓቲማላ ምስ በጽሑ ምሕላፍ ተኸልኪሉ።

እዞም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ህዝብታት ሆንዱራስ፡ ናብ ኣመሪካ እናምርሑ እንከለዉ እዮም ኣብ ጓቲማላ መገዲ ተዓጽዩዎም ዘሎ።

እቲ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ብኣልማማ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ኣይከፍቅድን ዝብል መግለጺ ሂቡ።

እዞም ኣብዝሓ ካብ ሆንዱራስ ከምዝኮኑ ዝዝረበሎም ኣስታት 7 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ጥሜትን ጎንጽታት ንከምልጡ እዮም ናብ ኣመሪካ ዝውሕዙ ነይሮም።

ንሶም ፈለማ ናብ ሜክሲኮ ካብኡ ድማ ኣመሪካ ንምእታው እዩ ዕላመኦም።

በብዓመቱ ከምዚ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝነቕሉ ስደተኛታት ኣብዘሓ ግዜ ብእግሪ ተጓዒዞም ክሰግሩ እኦም ዝፍትኑ።

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፤ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ጉዕዞን ስደትን ብዝምልከት ካብ'ቲ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራመፕ፡ ልሕልሕ ዝበለ ፖሊሲ ክከተል ምኳኑ እዩ ዝዝረብ፤ እንተኾነ እዚ ጉዳይ ብከመይ ከምዝኣልዮ ናይ መጀመርታ ፈተና ከይኾኖ ተሰጊኡ ኣሎ።

ርግጽ፤ ምምሕዳር ባይደን እዚ ናይ ጉዕዞ ሕጊ ኣብ ውስጢ ሒደት መዓልታት ዝልወጥ ስለዘይኾነ፡ ነቶም ስደተኛታት ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማሮም ጠጠው ክበሉ ኣጠንቂቁ ነይሩ እዩ።

ኣብ ጓቲመላ እንታይ እዩ ኣጓኒፍዎም?

እቶም ዝውሕዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ጓቲማላ ምስ በጽሑ መገዲ ብእምንን ብደንጎላን ተዓጽኡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዕጡቓት ደው ኢሎም ጸኒሖምዎም።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ብጉልበት ክሓልፉ እንተፈተኑ'ኳ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ሓይሊ ተጠቒሞም ንድሕሪት ክደፍእዎምን ከንከላብቱዎምን ተራእዮም።

ሓደ ናይቲ ከባቢ ሚድያ ሒዝዎ ዝወጽአ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርእዮ፤ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ስደተኛታት ንምግታእ መንብዒ ጋዝ፣ ኣድማ መበተኒ መሳርሕን፣ በትርን ክጥቀሙ የርኢ።

እቶም ስደተኛታት 7 ሽሕ ይኾኑ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ገለ ገሊኦም መሊሶም ክፍትኑ ኣብቲ ከባቢ ኣንሳሒቦም ይረአዩ። ካልኦት ድማ፡ ኣብቲ ካባቢ ናብ ዝርከቡ ጎቦታት ደይቦም።

በዓል ስልጣን ስደተኛታት ጓቲመላ፤ ሓይልታት ጸጥታ ነዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ተጓንፎ ብዘይ ጸገም ክቆጻጸሮ ፈቲኑ ክብል ንኒውዮርክ ታይመስስ ተዛሪቡ።

ንሱ፤ ሕዚ እቲ ኩነታት ተረጋጊዑ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጓቲማላ ዝወጽአ መግለጺ ድማ፡ "ናይ ጓቲመላ መርገጺ ግልጺ እዩ ከምዚ ኣይነት ዘይሕጋዊ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ተቐባልነተ የብሉን" ኢሉ።

እቲ ዋሕዚ ጠጠው ንምባል፡ ምስ ጎራብቲ ሃገራት ሓቢሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ እውን እቲ መግለጺ ይሕብር።

ፖሊስ ምስቶም ስደተኛታት እንትጋጨ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ስለምንታይህዝቢ ብብዝሒ ይውሕዝ ኣሎ?

እዞም ካብ ማእኸላይ ኣመሪካ ዝነቐሉ ስደተኛታት ካብ ቅትለት፣ ዓመጽን ድኽነትን ከምልጡ ዝስደደዱ ከምዘለዉ እኦም ይዛረቡ።

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ኣመት ብዝተኸስቱ ክልተ ሓደጋታት ኣውሎ ንፋስ ድማተጋዲዱ።

ነዚ እዩ ድማ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሐሸ ህይወት ክረኽቡ ይጓዓዙ ኣለዉ።

Hondurans taking part in a new caravan of migrants set to head to the United States, take a break in Vado Hondo, Guatemala

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, The migrants are fleeing poverty and violence in their home countries

ጓል 23 መንእሰይ ዳኒያ ሒነስትሮሳ፡ "ስራሕ የብልናን፤ ዝለሓስ የለን፤ ስለዚ ንዝሐሸ ህእወት ናብ ኣመሪካ ክኸይድ ውሲነ" ኢላ ንንኤኤፍፒ ።

ምናልባሽ እውን፡ እቲ ኣብ ኣመሪካ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ካብቲ ትራምፕ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዝንቀፍን ተሪር ፖሊሲ ጉዕዞ ዝሐሸ ክከውን እኡ ዝበል ዘበገሶ ከይኸውን ይጥርጠር።

ገለ ኣባላት ጋንታ ጆ ባይደን ግን፡ ነዞም ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝመጽኡ ስደተኛታት ከምዚ ዐዓይነት ሓደገኛ ጉእዞ ከይገብሩ ኣጠንቂቖሞም ነይሮም እኦም።

ንኤንቢሲ ዝተዛረቡ ስሙ ዘይተገልጸ ኣባል እቲ ምምሕዳር፡ ቅዳምነት ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ሕጋውነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት [ሰነድ ዘይብሎም] ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ እዩ ተአዛሪቡ።

ሱዛን ራይስ'ውን፡ እቲ ዶብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክኽፈት ዝመስሎም ሰባት ተጋግዮም እዮም ኢላ።

ኣብ 2018 ከምዚ ናይ ሕዚ ብበዝሒ ካብ ሆንዱራስ ዝነቐለ ብዝሒ ዘለዎ ቃፍላይ ስደተኛታት፡ ትራምፕ 'ወራር' ክብል ኮኒነንዎ ነይሩ።