ጆ ባይደንን ፖለቲካዊ ህይወቱን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጆ ባይደን፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ኮይኑ ብምምራጹ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዋይት ሃውስ ግዝኡ ከሕልፍ እዩ።
ንሱ፡ ብ1987 ከምኡ'ውን 2008 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ፈረንጂ) ፕሬዝደንት ኣመሪካ ንምዃን ፈተነ ገይሩ ነይሩ።
ወዲ 77 ዓመት ባይደን፡ ኣብዚ ዓመት ሕጹይ ዴሞክራት ኮይኑ ንክወዳደር ክቐርብ እንከሎ፡ ካብ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘካይዶም ዓበይቲ ናይ ጎስጓስ መድረኻት ብዝተፈለየ ብውሑድ ቑጽሪ ዘለዎም ተሳተፍቲ እዩ ሓሳባቱ ዝገልጽ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ካብ መነሓንሕቱ ብዝበለጸ ዚያዳ ብኮሮናቫይረስ ክስዕብ ንዝኽእል ሓደጋ ግዱስ ኮይኑ ክርኣይ ኣኽኢሉዎ።
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ'ውን፡ "ኣመሪካ ካብ ዝነበሩዋ ምኽትል ፕሬዝደንታት እቲ ዝበለጸ" ክብል ኣሞጒሱዎ እዩ።
ናብዚ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሑ ዝነበረ ጆ ባይደን ግን እንታይ ይመስል?
ፖለቲካዊጉዕዞባይደን
ጆ ባይደን ቅድሚ ናብ ናይ ኦባማ መስርዕ ምእታው፡ ብ2008 ሕጹይ ዴሞክራት ኮይኑ ተወዳዲሩ እዩ።
ኣብ ግዜ መሪሕነት ኦባማ ምክትል ኮይኑ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ክጸንሕ ከሎ ድማ፡ ዚያዳ ውርሻ ኦባማ ኣጽኒዑ ክሕዝ ክኢሉ።
ብፍላይ መድሕን ጥዕና ኣመሪካውያን ከምኡ'ውን ፋይናንሳዊ ቅልውላው እንተጋጥም ዝውሰዱ ምምሕያሻት ዝምልከት ጽኑዕ ቅዋም ኣለዎ።
ምስ ኦባማ ካብ ዝነበሮ ጥቡቕ ዝምድና ብዝብገስ "ሓወይ" እናበለ እዩ ዘዕጽውዖ። እዚ ካብ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ዝሓሸ ድጋፍ ክረክብ ከየኽኣሎ ኣይተርፍን።
ባይደን ካብ "ማእከላይ እቶት" ዘለዎ ክፋል ሕብረሰተብ እዩ መጺኡ ይብሃል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
የማናይ ኢድ ፈላማይ ጸሊም ፕሬዝደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ኮይኑ ኣብ ዘሕለፎ ግዜ፡ ብርክት ዝበለ ናይ ፖለቲካን ፖሊሲ ጉዳይ ወጻእን ልምዲ ከም ዘኻዕበተ ይእመን።
ንሽዱሽተ ዓመታት ሴናተር ዴላዌር ዝነበረ ባይደን ንፈለማ እዋን ብ1972 ዓ.ም እዩ ተመሪጹ። ብ1988 ድማ ንፕሬዝደንትነት ተወዳዲሩ።
እንተኾነ ኣብቲ ሽዑ እዋን መራሒ ሰልፊ ሌበር ብሪጣኒያ ናይ ዝነበረ ኒል ኪኖክ ዘረባ ሰሪቑ (ዘይናቱ ዘረባ ከም ናቱ ሓሳብ ኣምሲሉ ኣቕሪቡ) ተባሂሉ ካብቲ ውድድር ወጺኡ።
ንኣብነት ብ1970ታት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ ጸለምትን ጸዓዱን ተመሃሮ ንምሕዋስ፡ ተመሃሮ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ብኣውቶብስ ብምጉዕዓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ክምደቡ ዝተገብረ ጻዕሪ ተቓዊሙዎ እዩ።
በዚ ምኽንያት ይንቀፍ።
ብ1991 ኣቦ መንበር ኮሚቴ ሰኔት ፈራዶ ኮይኑ፡ ኣኒታ ሂል ዝተባህለት ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑኒ እዩ ናይ ዝበለት ከሳሲት ዝነበረ ምስማዕ ክሲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብግቡእ ብዘይምሓዙ ይንቀፍ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ1994 ድማ ባይደን ደጋፊ ኣንጻር ረቒቕ ሕጊ ገበን ሓደ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸጋማውያን ዝኾኑ እዚ ሕጊ ነዊሕን ማእሰርቲ ጃምላን ክህሉ ገይሩ እዩ ብምባል ይነቕፉዎ።
ዝፈትዎምሰባትምስኣኑ
ውልቃዊ ህይወት ባይደን ብኣዝዩ ዘሰንብድ ተጓንፎ ዝተመልአ እዩ።
ብ1972 ዓ.ም፡ ናይ መጀመርታ ውድድር ሴናተር ኮይኑ ምስ ተዓወተ በዓልቲ ቤቱ ኒላን ህጻን ጓሉ ናኦሚን ብሓደጋ መኪና ስኢኑ።
ኣብቲ እዋን፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ደቁ ባኡን ሃንተርን ደቂሶምሉ ኣብ ዝነበሩ ናይ ሆስፒታል ክፍሊ ኮይኑ እዩ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ2015 ድማ፡ ናይ ሓንጎል መንሽሮ ዝነበሮ ወዱ ባኡ ኣብ 46 ዓመቱ ሞይቱ።
እንተኾነ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣመሪካ ህቡብነት ከየጥረየ ኣይተረፈን። ብ2016 ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዴላዌር ንምዃን ተወዳዲሩ ነይሩ።
ባይደን፡ ደጋጊሙ'ውን እንተኾነ ንክወዳደር ካብ ዘተባብዑዎ እቲ ብሞት ዝስኣኖ ወዱ ባኡ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሙዎ ተጓንፎታት ኣብ ጎስጓስ ቀዳምነት ጥዕና ይጥቀመሎም።
ኣብ ሸቶታት ፖሊሲኡ ንዝፈረመሉ ጉዳይ ጥዕና ድማ ንዕኡ "ውልቃዊ" ምዃኑ ይገልጽ።
ድሕሪ ሞት ወዱ ባኡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዝኡ ተቐባልነት እናጥረየ ዝመጽአ ባይደን፡ ዓንዲ ጥንካርኡ ምንባሩ ብተደጋጋሚ የልዕሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ዓመት ኣብ መረጻ ኣመሪካ ክወዳደር ምስኣተወ፡ ብፍላይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ መረጽቲ ኣድለዪ ዘይኮነ ኣካላዊ ምትንኻፋት የርኢ እዩ ዝብል ተደጋጋሚ ክሲ ይቐርበሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ፖለቲከኛታት ብባህሪኡ ምስኪን ስለ ዝኾነ እዩ ብምባል ይካትዕሉ ነይሮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







