ጆ ባይደን፡ ንኵናት የመን ክወሃብ ዝጸንሐ ደገፍ ከምዘብቅዕ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ክወሃብ ዝጸንሐ ደገፍ ከምዘብቅዕ ሓቢሩ።
ኣብ የመን፡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ብዝተኻየደ ውግእ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን መዕቆብን ተሸጊሮም ኣለው።
ኣመሪካ፡ ነቲ ልዕሊ 110,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝእመነሉ ንሽዱሽተ ዓመት ዝቐጸለ ብመሻርኽታ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ውግእ የመን ደው ከተብሎ እያ እትደሊ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ናይ ብዛዕባ ጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ዝገበሮ ፈላሚ መደረኡ "ኣብ የመን ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ኣለዎ" ኢሉ።
ቅድሚ ጆ ባይደን ዝነበሩ ክልተ መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ፡ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጥምረት ክድግፍዎ ጸኒሖም።
እቲ ግጭት ንሚልዮናት የመናውያን ኣደዳ ጥሜትን ስቓይን ገይርዎም ኣሎ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ሰባት'ውን ሞይቶም ኣለው።
ብ2014 ኣብ መንጎ ድኹም መንግስቲ የመንን ተቓወምቲ ሑቲን ውግእ ጀሚሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ውግእ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ ከኣ፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሸሞንተ ሃገራት ዓረብን ዝርከብኦም፡ ብኣመሪካ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን እናተሓገዙ ኣንጻር ሑቲ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ተኻይዱ።
ሚስተር ባይደን ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ለውጥታት ከምዝገብር እውን ኣፍሊጡ ኣሎ። ፈለማ እቶም ብኣመሪካ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት ክኣትውኡን ከምኡ እውን ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብቲ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዞም ዝጸንሑዎ ሃገረ ጀርመን ከምዝጸንሑ ምግባር እዩ።
ፖሊሲታቱ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ዝሓደገ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝገበሮ ዘፍርስ'ውን እዩ።
እቲ ብዛዕባ የመን ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ እዩ ዝነግር?
ኣመሪካ ንመንግስቲ የመንን ብስዑዲ ዝምራሕ ደገፍቱን ኣብቲ ምስ ሑቲ ዝገብርዎ ውግእ ደገፍ ክትገብር ጸኒሓ።
እቲ ትማሊ ሓሙስ እተነግረ ግን ኣመሪካ ነቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝግበር መጥቃዕቲ ዝወሃብ ደገፍ ደው ከተብሎ እያ።
ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ኣንጻር ኣል-ቃዒዳ ዝካየድ ስርሒታት ኣይጸልዎን እዩ።
ምምሕዳር ባይደን ነቲ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክግበር ዝጸንሐ መሸጣ ኣጽዋር፡ ክሳብ ዝግምገምን ዝኽለስን ንግዜኡ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ምኩር ዲፕሎማሰኛን ክኢላን ፈላጥን ማእከላይ ምብራቕ ቲም ለንዲንግ ከም ሓድሽ ናይ የመን ልኡኽ ክሰምዮ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ነቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ተወሳኺ ደገፍ ዝህብ ዝጸንሐ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ምምሕዳር ፍልይ ዝበለ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከም እተገብረ ዝሕብር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ትራምፕ ማይክ ፖምፐዮ፡ ሑቲ "ግብረ-ሽበራውያን" ተባሂሎም ከም ዝተኣወጁ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንሱ ከምዝበሎ፡ ዕላማ ናይቲ ስያሜ፡ ንሑቲ ኣብ ስግረ ዶብ ብዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ተሓተትቲ ንምግባርን ብኢራን ተደጊፎም ሃሳይ ንጥፈታት ንኸየካይዱ ንምግታእ እዩ ኢሉ።
ናይ ረድኤት ትካላት ግን ነቲ ስጉምቲ ብምንቃፍ፡ ኣብቲ ሚልዮናት ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዘድልዮም ከባቢታት ንከይሰርሓ ክገትአን ከምዝኽእል ከጠንቅቓ ጸኒሐን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ንዝተሰወነ ካብቲ ሑቲ ዝገብርዎ ምምሕልላፍ ገንዘብ ካብ እገዳ ናጻ ክገብሮ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እዚ እገዳ ክሳብ 26 ለካቲት ክጸንዕ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ የመን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ከም ዘሎን፡ 80% ካብ ህዝባ ረድኤትን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ውሕስነትን ከም ዘድልዮን ይገልጽ።
እዚ መግለጺታት እዚ ነቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ደው ከም ዘብሎ ዝኣተዎ ቃል ዘረጋግጽ ምዃኑ የመልክት።
ምቁራጽ ደገፍ ኣመሪካ ንጥምረት ስዑድን ኢሜሬትን ኣብ የመን ንዝካየድ ዘሎ ደማዊ ምዕራፍ ኣይክዓጽዎን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቶም ኣብ ሪያድን ኣቡ ዳቢን ዘለው መራሕቲ፡ ካልእ መዋጽኦን ፍታሕን ከናድዪ ዓቢ መልእኽትን ምልክትን ከምዝኾነ ተንተንቲ ፖሎቲካ እቲ ዞባ ይሕብሩ።
ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛት ኮነ የመናውያን፡ ነዚ ሓድሽ ጽምዶ ኣመሪካ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኦባማ፡ ብ2015፡ መንግስቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር እተርእዮ ክርክር ንምግጣም፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ወፈራ ኣንጻር ሑቲ፡ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ የመን ሓደስቲ ልኡኻት ኣመሪካን ኢራንን ነዚ ውግእ እዚ ናይ ምውዳእ ዕማም ተዋሂብዎም ኣሎ። ይኹን እምበር ዞባውያን ሓይልታት ነቲ ኵናት ከጓሃህረኦ ይኽእላ እየን ትብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ።
ባይደን ካልእ እንታይ እዩ ኢሉ?
ኣመሪካ ዓመታዊ ነቲ 15,000 ጥራሕ ዝጸንሐ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ገደብ ናብ 125,000 ከተዕብዮን ባጀት ክትስልዓሉን ምዃና ኣፍሊጣ።
እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተኣመመ 36 ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ጀርመን ናይ ምስሓብ መደብ'ውን ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ። ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ቁጽሪ ብ12,000 ክንኪ ኣሚሙ ነይሩ። ካብኣቶም 5,600 ዝኾኑ ኣብ ካልእ ክፍልታት ኤውሮጳ ክዕስክሩ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ነይሩ።
ፕረዚደንት ባይደን ፡ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ሚያንማር፡ ሲቪላዊ መራሒት ኣንግ ሳን ሱቺ ክፈትሑን ዲሞክራሲ ከንግሱን ጸዊዑ።
ብዘይካዚ፡ ምስ ሩስያ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዝገብር፡ ግናኸ ንሞስኮ ካብ ዶናልድ ትራምፕ ንላዕሊ ኣጽኒዑ ክርእያ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







