የመን፡ መራሒ ኣልቃዒዳ ኣል ራይሚ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ተቐቲሉ

እዚ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዘሎ ስእሊ ቃሲም ኣልራይሚ ኮይኑ ካብ ሰነዳት ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ዝተወስደ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንመራሒ ኣልቃዒዳ ቃሲም ኣል ራይሚ ከምዝቐተለቶ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓቢሩ።

ኣብ ምዕራብ ዓለም መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጹሙ ዝተፈላለዩ ጥሩፋት ጉጅለታት ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝነገረሉ፡ ካብ 2015 ንጉጅለ ጂሃድ ክመርሕ ዝጸንሐ ቃሲም ኣል-ራይሚ ኣብ የመን ብዘካየዶ ስርሒት ከምዝተቐትለ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ኣመሪካ ተዛሪቡ።

ኣል ራይሚ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ ኣልቃዒዳ ብድሮን ኣመሪካ ምስተቐትለ እዩ ስልጣን ሒዙ።

ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝነጥፍ ኣልቃዒዳ፡ ኣብ 2009 እዩ ተመስሪቱ።

ምምሕዳር ኣመሪካ፡ እቲ ውድብ ኣብቲ ዞባን ኪንኡን ንምሕደራ መንግስቲ ኣመሪካን ኮነ ሃገራት ምዕራብ ከምዝቃወም፤ ንፖለቲካዊ ርግኣት እተን ብኣመሪካ ዝድገፋ ከም ስዑድን የመንን ዝኣመሰላ ከምዝዘርግ ይዛረብ።

ኣልራይም ኣብ መወዳእታ ጥሪ ብድሮን ኣመሪካ ከምዝተቐትለ ጽንጽንታ ጸኒሑ እዩ።

ይኹን እምበር ኣልቃዒዳ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ነቲ ጽንጽንታ ንምምላስ ብኽልተ ለካቲት ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ፔንሳኮላ ፍሎፐሪዳ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዝነበሮ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣልራይም ብድምጺ ኣመሓላሊፎም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ታሕሳስ እዩ ተኻይዱ እቲ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ከኣ ኣቐዲሙ ዝተመልአ ክኸውን ይኽአል እዩ።

እቲ ሕጂ ብዋይት ሃውስ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ኣልራያም ከምዝሞተ ዘረጋግጽ እዩ። መዓስ ከምዝተቐትለ ግን ኣይሓበረን።

"ሞት ኣልራያም" ሃገራዊ ስግኣት ንዝኾነና፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝነጥፍን ጥሩፍ ምንቅስቓስ ንኣልቃዒዳ ብዓቢኡን ዘዳኽምን'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ። " ሞት ኣልራያም፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣመሪካን መሻርኽታን ንምውሓስ ሓጋዚ እዩ" ይብል ዋይት ሃውስ ኣመሪካ።