ኦሳማ ቢን ላደን፡ 'ጥዑም ውላድ' እዩ ነይሩ ትብል ወላዲቱ

ኦሳማ ቢን ላደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦሳማ ቢን ላደን ዝመርሖ ዝነበረ ኣልቃዒዳ ሓያሎ ናይ ሽበራ መጥቃዕትታት ከም ዝፈጸመ ይንገረሉ

ኣዲኡ ንኦሶማ ቢን ላደን ወይዘሮ ኣሊያ ጋነም እቲ መራሒ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ወዳ 'ጥዑይ ቆልዓ' ከም ዝነበረ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ተዛሪባ።

ንሳ ንመጀመርታ እዋን ምስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጣ 'ዘ ጋረድያን' ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ወዳ ብንእሽቶኡ ሓናኽ ከም ዝነበረን ድሒሩ ግን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብካልኦት ሓንጎሉ 'ተመሪዙ' ኢላ።

ቢን ላደን መራሒ ናይቲ ብግብረሽበራ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 2011 ብፍሉያት ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ኣብ ፓኪስታን ተቐቲሉ።

ወይዘሮ ኣሊያ ጋነም ኣብ ከተማ ጅዳ፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ'ያ ነቲ ቃለመጠይቕ ጌራቶ።

ስድርኡ ንቢን ላደን፡ ንመወዳእታ ጊዜ ኣብ 1999 ክልተ ዓመት ቅድሚ መጥቃዕቲ 9/11 ኣብ ኣፍጋኒስታን እንከሎ ከም ዝራኣይዎ ይዛረቡ።

ኣሳማ ቢን ላደን ኣብ ገበር መጽሄት ታይምስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢን ላደን ኣብ መወዳእታ ኣብ 2011 ኣብ ፓኪስታን ኣቦታባድ ብፍሉያት ወታሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሉ

ንሱ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ተጠርጣሪ ግብረሽበራ ምንባሩን፡ ኣብታ ኣንጻር ወታሃደራዊ ምትእትታው ሶቤት ሕብረት ነበር ዝቃለሰላ ዝነበረ ኣፍጋኒስታ'ዩ ነይሩ።

"ኣዚና ኢና ሓሪቕና። እዚ ክኸውን ፈጺሙ ድሌት ኣይነበረንን። ስለምንታይ ንኹሉ ብኸምዚ ይድርብዮ?" ትብል ጂሃዳዊ ኣኽራሪ ምዃኑ ምስ ፈለጠት እንታይ ከም ዝተሰመዓ ምስ ተሓተት።

እቲ ወዳ ዝተሓወሶ ምትእኽኻብ 'ሙስሊም ብራዘርሁድ' (እስላማዊ ሕውነት) ከም ሓደ ኣምልኾ እምነት'ዩ ዝውሰድ ነይሩ ድማ ትብል።

ቤተሰብ ቢን ላደን ኣብቲ ናይ ህንጻ ኢንዱስትሪ ብዙሕ ሃብቲ ብምድላቦም ኣብ ሱዕዲ ጸለውቲ ስድራቤት ክኾኑ በቒዖም'ዮም።

ኣቡኡ ንኦሳማ፡ መሓመድ ቢን ዓዋድ ቢን ላደን፡ ኦሳማ ድሕሪ ምውላዱ ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ ንኣሊያ ጋነም ፈቲሕዋ። ኣቶ መሓመድ ካብ ሓያሎ ኣንስቲ ዝወለዶም ብድምር ልዕሊ 50 ቆልዑት ነይሮሞ።

ኦሳማ ቢን ላደን ኣብ ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኦሳማ ቢን ላደን ኣንጻር ወታሃደራዊ ምትእትታው ሶቬት ሕብረት ነበር ንምቅላስ'ዩ ኣብ 80ታት ንኣፍጋኒስታን ከይዱ

ድሕሪ'ቲ ብ11 መስከረም 2001 ብኣልቃዒዳ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተፈጸመ ብ9/11 ዝፍለጥ መጥቃዕቲ፡ እቲ ስድራ ብመንግስቲ ሱዕዲ ከም ዝተመርመረን፡ ምንቅስቓሶም ከም ዝተደረተን ይገልጹ።

ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መጠይቕ ሐሰንን ኣሕመድን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ'ውን ከም ዝተሳተፉ እቲ ነቲ ቃለመጠይቕ ዘካየዶ ጋዜጠኛ ማርቲን ቹሎቭ ጺሒፉ። መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ ከም ዘፍቀደሉ'ውን ጠቒሱ።

"ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ፡ ኩላትና ብተግባሩ ሓፊርና ኢና። ኩላትና ሕማቕ ሳዕቤናት ክስዕበና ምዃኑ ፈሊጥና ኢና። ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ-ቤትና ናብ ሱዕዲ ተሚሊሶም" ይብል መሓመድ

ኣዲኡ እቲ ናይ 9/11 መጥቃዕቲ ንሱ ጌርዎ ኢላ 'ከምዘይትኣምኖ'ን ካልኦት ፈጺሞሞ ኢላ ከም እትኣምን ኣይሓብአን።