ኦሳማ ቢን ላደን፡ 'ጥዑም ውላድ' እዩ ነይሩ ትብል ወላዲቱ

ኣዲኡ ንኦሶማ ቢን ላደን ወይዘሮ ኣሊያ ጋነም እቲ መራሒ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ወዳ 'ጥዑይ ቆልዓ' ከም ዝነበረ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ ተዛሪባ።

ንሳ ንመጀመርታ እዋን ምስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጣ 'ዘ ጋረድያን' ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ወዳ ብንእሽቶኡ ሓናኽ ከም ዝነበረን ድሒሩ ግን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብካልኦት ሓንጎሉ 'ተመሪዙ' ኢላ።

ቢን ላደን መራሒ ናይቲ ብግብረሽበራ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 2011 ብፍሉያት ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ኣብ ፓኪስታን ተቐቲሉ።

ወይዘሮ ኣሊያ ጋነም ኣብ ከተማ ጅዳ፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ'ያ ነቲ ቃለመጠይቕ ጌራቶ።

ስድርኡ ንቢን ላደን፡ ንመወዳእታ ጊዜ ኣብ 1999 ክልተ ዓመት ቅድሚ መጥቃዕቲ 9/11 ኣብ ኣፍጋኒስታን እንከሎ ከም ዝራኣይዎ ይዛረቡ።

ንሱ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ተጠርጣሪ ግብረሽበራ ምንባሩን፡ ኣብታ ኣንጻር ወታሃደራዊ ምትእትታው ሶቤት ሕብረት ነበር ዝቃለሰላ ዝነበረ ኣፍጋኒስታ'ዩ ነይሩ።

"ኣዚና ኢና ሓሪቕና። እዚ ክኸውን ፈጺሙ ድሌት ኣይነበረንን። ስለምንታይ ንኹሉ ብኸምዚ ይድርብዮ?" ትብል ጂሃዳዊ ኣኽራሪ ምዃኑ ምስ ፈለጠት እንታይ ከም ዝተሰመዓ ምስ ተሓተት።

እቲ ወዳ ዝተሓወሶ ምትእኽኻብ 'ሙስሊም ብራዘርሁድ' (እስላማዊ ሕውነት) ከም ሓደ ኣምልኾ እምነት'ዩ ዝውሰድ ነይሩ ድማ ትብል።

ቤተሰብ ቢን ላደን ኣብቲ ናይ ህንጻ ኢንዱስትሪ ብዙሕ ሃብቲ ብምድላቦም ኣብ ሱዕዲ ጸለውቲ ስድራቤት ክኾኑ በቒዖም'ዮም።

ኣቡኡ ንኦሳማ፡ መሓመድ ቢን ዓዋድ ቢን ላደን፡ ኦሳማ ድሕሪ ምውላዱ ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ ንኣሊያ ጋነም ፈቲሕዋ። ኣቶ መሓመድ ካብ ሓያሎ ኣንስቲ ዝወለዶም ብድምር ልዕሊ 50 ቆልዑት ነይሮሞ።

ድሕሪ'ቲ ብ11 መስከረም 2001 ብኣልቃዒዳ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተፈጸመ ብ9/11 ዝፍለጥ መጥቃዕቲ፡ እቲ ስድራ ብመንግስቲ ሱዕዲ ከም ዝተመርመረን፡ ምንቅስቓሶም ከም ዝተደረተን ይገልጹ።

ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መጠይቕ ሐሰንን ኣሕመድን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ'ውን ከም ዝተሳተፉ እቲ ነቲ ቃለመጠይቕ ዘካየዶ ጋዜጠኛ ማርቲን ቹሎቭ ጺሒፉ። መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ ከም ዘፍቀደሉ'ውን ጠቒሱ።

"ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ፡ ኩላትና ብተግባሩ ሓፊርና ኢና። ኩላትና ሕማቕ ሳዕቤናት ክስዕበና ምዃኑ ፈሊጥና ኢና። ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ-ቤትና ናብ ሱዕዲ ተሚሊሶም" ይብል መሓመድ

ኣዲኡ እቲ ናይ 9/11 መጥቃዕቲ ንሱ ጌርዎ ኢላ 'ከምዘይትኣምኖ'ን ካልኦት ፈጺሞሞ ኢላ ከም እትኣምን ኣይሓብአን።