ሞዛምቢክ፡ ጅሃድ ሰላማውያን ሰባት ሰይፎም

ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ሞዛምቢክ፡ ዝተፈጸመ መስየፍቲ 10 ሰላማውያን ሰባት፡ ጉጅለ እስላማዊ ዕጡቕ ፈጺምዎ ከምዝኸውን ይጥርጠር ክብሉ ሰብ መዚ ሞዛምቢክ ተዛረቦም።

ኣብ'ቲ ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ እተርከብ ሞንጃነ እተብሃል ዓዲ ዝተፈጸመ ስየፋ፤ ኣብ ሞንጎ እቶም ግዳያት ህጻናት ከምዝርከብዎም ተገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ድማ ኣማሓዳሪ እታ ዓዲ ምዃኑ ነበርቲ ሞንጃነ ንኤፍፒ ሓቢሮም።

ካቦ ደልጋዶ ብዕደናን ነዳድን ሃፍታም ዞባ ኮይና፡ እስላማዊ ዕጡቕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጥቓዕቲ ከካይደላ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ኣብ 2015 ዝተመስረተ ብሞዛንቢካውያን ኣልሽባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ፡ ምሰቲ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ብተማሳሳሊ ስም ዝጽዋዕ ጉጅለ ጅሃድ ርክብ እንተሃልይዎ ግን ዝተፈልጠ ሓበሬታ የሎን።

ፖሊስ ሞዛምቢክ ምስ'ዚ ጉዳይ ምትሕሓዝ ኣልዎም ዝበሎም ከባቢ 200 ሰባት ቀይዱ'ሎ።

ዳይረክተር ፍትሒ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ኣልቫሮ ጁኔር በዚ ጉጅለ እስላማዊ ዕጡቕ ዝውነና ሽውዓተ መሳጊድ ብመንግስቲ ክዓንዋ ከምዝተገበራ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ባይቶ ሞዛምቢክ ንተግባራት ግብረሽበራ ክሳብ ናይ 24 ዓመታት ከፍርድ ዝኽእል ሕጊ ምጽዳቑ ይዝከር።