የመን፡ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ኩናትን ጥምየትን

ሳልዋ ኣል ኦዳቤ ጓል ሓሙሽተ ዓመት እያ። ኩናት የመን እውን ካብ ዝጅምር 5 ዓመቱ። ጓል ክልተ ወርሒ እናሃለወት ኣትሒዙ ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕጽረት ምግቢ፡ ሳልዋ ኣብ ሓንጎላ ጸገም ኣጋጢምዋ እዩ።
ወለዳ፡ ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብ መረበቶም ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ ክልተ ሚልዮን የመናውያን እዮም። ወላዲኣ፡ ንጓሉ ከሐክም ዓቕሚ የብሉን።
የመን፡ ኣብዚ እዋን እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ኣጋጢሙዋ ዘሎ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ነቲ ሃስያ ዝያዳ ኣጋዲድዎ ኣሎ።
እንተድኣ ዓለምለኻዊ ረድኤት ዘይተረኺቡ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ የመናውያን ህጻውንቲ ብጥምየት ክጥቅዑ ምዃኖም እዩ ገግለጽ ዘሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ኣንቆልቁሉ እዩ ዘሎ።
ዩኒሴፍ ከምዝበሎ፡ ኣብ የመን ንዘለዉ ህጻውንቲ ከድሕን ዳርጋ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር የድልዮ።
ዛጊድ ግን፡ ካብቲ ዘድልዮ መጠን ገንዘብ ነቲ ፍርቂ ጥራይ እዩ ረኺቡ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን ኣብ የመን፡ ኣተተት 2 ሚልዮን ህጻናት ብሕጽረት ምግቢ ተጠቒዖም ኣለዉ።
'ትንፋስካ ንምሕዳር ዝግበር ቃልሲ’
ዩኒሴፍ ከምዝብሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ፡ 54.5 ሚልዮን ዶላር እንተዘይተረኺቡ፡ ብሕሱም ጥምየት ተጠቒዖም ዝርከቡ ኣስታት 23,500 ህጻናት ናብ ሞት ክቃልዑ ተኽእሎ ኣሎ።
ካልኦት ሚልዮናት ድማ፡ ዘድልዮም ቫይታሚናትንን መከላኸሊ ሕማምን ከምዘይረኽቡ እዩ ዝገልጽ።
ብዘይካ እዚ ሓገዝ፡ ሓደ ሚልዮን ጥኑሳትን ዘጥብዋ ኣደታትን ሓዊሱ፡ ኣስታት 19 ሚልዮን ሰባት ድማ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ኣይክእሉን ኢሉ እቲ ትለል።
የመን ካብ 2015 ኣትሒዙ ብኩናት ትሕመስ እያ ዘላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







