ባይደን ምስ ኢራን ንምዝርራብ ኢሉ እገዳ ከም ዘይልዕል ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ኢራን ንምዝርራብ ኢሉ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ከም ዘይልዕል ኣፍሊጡ።
ኢራን ነቲ ኣብ 2015 ዝፈረመቶ ስምምዕ ኒኩሌር እንተዘይኣኽቢራ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢራቶም ዝጸንሓት ዕገዳታት ከምዘይተልዕል እዩ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምዚ ዝበለ፡ ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝካየዶ ቃለ-መሕትት እዩ።
መንፈሳዊ መራሒ ኢራን፡ ኣያቶላ ዓሊ ብወገኑ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ እተኽብር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ እገዳ ምስ እተልዕል ጥራይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣብ 2015 ዝተኸተመ ኑክሌራዊ ስምምዕ፡ ኢራን ንተካይዶ ንዩክለራዊ መደባት ክትቅንሶን፡ ኣምሳያኡ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ብኸፊል ክለዓል ዝእዝዝ እኳ እንተነበረ፡ ኣመሪካ ግን ብፕረዚደንት ነበር ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣቢላ ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ኣንሳሒባ።
እዚ ከኣ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ቁጠባዊ እገዳ ገይራ፡ ሓዲሽ ኒኩለራዊ ስምምዕ ክትገብር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
እቲ እገዳ ምትራሩ ስዒቡ ድማ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ዝጥሕሱ ተግባራት ክትፍጽም ጀሚራ።
ኢራን፡ ኒኩለራዊ መደባታ ንሰላማዊ መዓላ ጥራይ ምዃኑ'ያ እትገለጽ። እንተኾነ፡ ካልኦት ሃገራት ኢራን ኒኩሌር ቦምብ ኣብ ምስራሕ ከምእትርከብ እዮም ዝሕብሩ።
እቲ ስምምዕኸ ስለምንታይ ፈሪሱ?
ኢራን፣ ኣሜሪካ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ሩስያን ዩናይትድ ኪንግደምን እየን ኣብ 2015 ስምዕዕ ኒውክሌር ፈሪመን ነይረን።
በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ቴህራን [ኢራን] መጠን እቲ እተማዕብሎ ኒውክሌር ክትንክን እቲ ምምዕባል ዓለማዊ ትካላት ክከታተልዎ ክትፈቅድን ዝብል ይርከቦ።
ኢራን ከምኡ እንተገይራ፡ እቶም እገዳታት'ውን ከምዝለዓሉላ ቃል ተኣትዩላ ነይሩ።
እንተኾነ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ኣውጺኡ፡ ኢራን ሓድሽ ስምምዕ ንክትፍርም ጽዕንቶ ከሕድር ሓሲቡ ነይሩ።
ኢራን ብወገና፤ በቲ ሓድሽ ናይ ትራምፕ ሓሳብ ኣይስማማዕን ኢላ፤ ብ20 ሚኢታዊ ጽሬት፡ ዩራንየም ናብ ምምዕባል ከምእትምለስ ኣፍሊጣ።
ኣጽዋር ምስራሕ ዝከኣል ጽሬት እቲ ዝምዕብል ዩራንም፡ ናብ 90 ሚኢታዊ ክብ ምስዝብል እዩ።
ባይደን፡ ኢራን ናብ'ቲ ናይ መጀመርታ ስምምዕ ንክትምለስ ኣብ ርእሲኣ ዝተነበረ ማዕቀብ ከልዕል ዝፈቅድ እንተኾይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ" ብፍጹም ዘይሕሰብ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኢራን ድማ ናብቲ ቅድም ክብል ዝተፈረመ ስምምዕ ንክትምለስ፡ እቲ ካብ ኣመሪካ ዝተነበረ ማዕቀብ ቀዲሙ ክለዓለላ ከም ቅድመ ኩነት ኣቕሚጣ ኣላ።
መራሒ ኢራን ኣያቶላ ዓሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ "ኩሎም እገዳታቶም የልዕሉ። ሽዑ ኢና ናብቲ ስምምዕ እንምለስ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







