ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ተረኺቡ 'ናፊቕኹምኒ'ዶ?' ኢሉ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ፍሎሪዳ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝተባህለ ሪዞርት ዝነበረ መርዓ ዝተረኸበ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣንጻር ፕሬዝደንት ጆ ባይደን፣ ኢራንን ቻይናን ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ዘለው ጉዳያትን ብሕዳር ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረጻ እታ ሃገርን ዘለዎ ሕቶታት'ውን ኣልዒሉ።

ቐጺሉ "ናፊቕኹምኒ'ዶ?" ኢሉ፤ ናይ ደገፍ ድምጺ ከኣ ኣሰኒዩዎ።

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post

1px transparent line

"ብዙሓት ጸብጻባት ይሰምዕ'የ፤ ብዛዕባ ዶብ ሜክሲኮ፣ ብዛዕባ ቻይናን ኢራንን ይሰምዕ'የ። ስምምዕ ክንገብር ቀሪብና ነይርና። እዚ ሰብኣይ [ባይደን] መጺኡ ግን ኩሎም እገዳታት ክለዓሉ ገይሩ፤ ሕጂ ክንዛተ ኢና ይብል ኣሎ" ክብል ኣብቲ ብቲኤምዜድ ዝተሓተመ ምስሊ ይስማዕ።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ግን ዘልዓሎ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነብረ እገዳ የለን።

ምምሕዳር ትራምፕ ኢራን ውዕሊ ምፍራይ ባእታ ኒኩሌር ጥሒሳ'ያ ብዝብል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ከንብር ዘቕረቦ ጠለብ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ባይደን ክተርፍ ገይሩ'ዩ።

ድሕሪ'ዚ፡ ትራምፕ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ደቡባዊ ዶብ ምስ ሜክሲኮ ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ውሳነ ከሕልፍ ይጽበ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ባይደን መዝነት ካብ ዝተረከበሉ እዋን ጀሚሩ፡ ብዝሒ ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ስደተኛታት ወሲኹ ኣሎ።

"እቲ ዶብ ጽቡቕ ኣይኮነን ዘሎ፤ ካብቲ ዝነበረ ዝኸፍአ ኩነታት'ዩ ዘሎ" ኢሉ ትራምፕ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ስድራቤታት ምስ ደቆም ተፈላልዮም'ዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ዝተዛረበ ኮይኑ፡ "66 ሚሊዮን ድምጺ ኢኻ ረኺብካ ኢሎምኒ፤ ኣነ ግን 75 ሚሊየን ድምጺ'የ ረኺበ። እንታይ ከም ዝኾነ ከኣ ርኢኹም ኢኹም" ኢሉ።

ፕሬዝደንት ባይደን ልዕሊ 80 ሚሊየን ድምጺ ብምርካብ ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ጆንን ሜጋን ኣሪጎን ዝተባህሉ መርዑ "ምዕሩጋት መጻምዲ" ኢሉ ኣሞጒሱዎም።

ትራምፕ፡ ኣብ 2019'ውን ኣብ ኒው ጀርሲ ኣብ ዝነበረ መርዓ ተረኺቡ "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ! ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ!" ኢሉ ጨሪሑ'ዩ።