ትራምፕ፡ ስሚ ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ዶናልድ ትራምፕ ዝለኣኸት ውልቀሰብ ተቐይዳ

ዋይት ሀውስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሪሲን ዝተባህለ ስሚ ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ዶናልድ ትራምፕ ልኢኻ ተባሂላ ዝተጠርጠረት ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እዛ መንነታ ዘይተገልጸት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኒውዮርክ ዶብ ቡፋሎ ኣቋሪጻ ናብ ካናዳ ክትኣቱ ክትብል ክትትሓዝ እንከላ፡ ብረት ሒዛ ከም ዝነበረት ተገሊጹ።

እዚ ቐታሊ ዝተባህለ ስሚ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ካናዳ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽል ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ መርመቲ ገሊጾም።

እቲ ደብዳበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋይት ሃውስ ከይበጽሐ ከም ዝተትሓዘ ሰብመዚ ምግላጾም ይዝከር።

እቲ ደብዳበ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝለኣኹ ደብዳበታት ኣብ ዝጻረይሉ ቦታ ኣብ መጀመርታ ናይ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፍተሻ ከም ዝተረኸበ እዮም ሰብመዚ ዝገለጹ።

ኣብ'ቲ ደብዳበ ዝተረኸበ መርዚ፡ 'ሪሲን' ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ፍረ ጉልዒ ዝርከብን ኮይኑ፡ ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ኣብ ልዕሊ ዋይት ሃውስ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝደልዩ ሰባት ክጥቀሙሉ ይርኣይ።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ትካል መርመራን ድሕነትን ኤፍቢኣይ ግን "ኣብዚ እዋን ድሕነት ሕብረሰተብ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ነገር የለን" ኢሉ።

እታ ተጠርጣሪት ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ቤት ማእሰርትን ዝርከቡዎም ኣብ ቴክሳስ ናብ ዝርከቡ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ኣድራሻታት፡ መርዚ ሪሲን ዝሓዘ ደብዳበ ልኢኻ ብዝብል'ያ ተጠርጢራ።

ፖሊስ ካናዳ ብቐዳም "ናብ ዋይት ሃውስ ዝተልኣኸ ደብዳበ ብዝተሓሓዝ" ምስ ኤፍቢኣይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ'ዩ።

እታ ተጠርጣሪት ድማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቡፋሎ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክትቐርብ'ያ።

እረቲ ስሚ ክሳብ ሊሚ ዝኾነ መድሃኒት ዘይብሉ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ስሚ እንተወሲዱ ከምቲ ዝወሰዶ መጠን ካብ 36 ክሳብ 72 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዘ ክመውት ከምዝኽእል፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማትን ኣሜሪካ ይሕብር።

እዚ ኣሸበርቲ ክጥቀሙሉ ዝጸንሐ ስሚ፡ ብመልክዕ ሕሩጭ፣ ከኒናን ጋዝን ክዳሎ ከም ዝኽእል እቲ ማእከል ገሊጹ።