ዶናልድ ትራምፕ፡ መርዚ ዝሓዘ ደብዳበ ተላኢኹዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተልኣኸ፡ ካብ ሓደገኛ ፍረ ጉልዒ ዝተቓመመ መርዚ ዝሓዘ ደብዳበ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ከይበጽሐ ከምዝተትሓዘ ሰብመዚ ገሊጾም።
እቲ ደብዳበ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝለኣኹ ደብዳበታት ኣብ ዝጻረይሉ ቦታ፡ ኣብ መፈለምታ ናይ'ዚ ሰሙን ብፍተሻ ከምዝተረኸበ እዮም ሰብመዚ ዝገለጹ።
ኣብ'ቲ ደብዳበ ዝተረኸበ መርዚ ፡ 'ሪሲን' ተባሂሉ ዝፍለጥን ኣብ ፍረ ጉልዒ ዝርከብን እዩ።
ዛጊድ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ቤት ጽሕፈት ምርመራ ፌደራል (ኤፍ ቢ ኣይ) ከምኡ ድማ ትካል ድሕነት፡ እቲ ደብዳበ ካበይ ከም ዝመጸን ናብ ካልኦት ሰባት 'ውን ብተመሳሳሊ ተላኢኹ ከይኸውንን የጻርዩ ኣለዉ።
ኤፍ ቢ ኣይ፡ ትማሊ ንመደበር ዜና 'ሲ ኤን ኤን' ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ "ኣብዚ እዋን ንድሕነት ህዝቢ ዘስግእ ዝተፈለጠ ነገር የለን" ኢሉ።
እቶም መርመርቲ፡ እቲ ደብዳበ ካብ ካናዳ ተላኢኹ ኢሎም ከምዝኣምኑ ሓደ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ'ሎ።
ፖሊስ ካናዳ ድማ፡ ነቲ ደብዳበ ኣብ ምጽራይ ምስ 'ኤፍ ቢ ኣይ' ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ካብ ፍረ ጉልዒ ዝርከብ ሓደገኛ ባእታ፡ እንተተበሊዑ፣ እንተሽቲትካዮ ወይ እንተተወጊእካዮ ዕግርግር ምባል፣ ተምላስ፣ ውሽጣዊ መድመይትን ኣካላትና ከይሰርሑ ክገብርን ይኽእል እዩ።
ነቲ መርዚ፡ ዛጊድ ዝፍለጥ መድሓኒት ዘይብሉ እንትኾን፡ ሓደ ሰብ ነቲ መርዚ እንተወሲዱ ከምቲ ዝወሰዶ መጠን ካብ 36 ክሳብ 72 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዘ ክመውት ከምዝኽእል፡ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማትን ኣመሪካ ይሕብር።
እዚ ኣሸበርቲ ክጥቀሙሉ ዝጸንሐ መርዚ፡ ብመልክዕ ሕሩጭ፣ ክኒንን ጋዝን ክዳሎ ከምዝኽእል እቲ ማእከል ገሊጹ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ንቤተ መንገስቲን ካልኦት ቤት ጽሕፈታት ፌደራልን ዒላማ ዝገበሩን፡ መርዚ ጉልዒ ዝሓዙን ደብዳበታት ዝተልኣኹ እንትኾን፡ ኣብ 2014 ተመሳሳሊ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝለኣኸ ሰብ፡ ማእሰርቲ 25 ዓመት ተፈሪድዎ እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ወታሃደር ሓይሊ ባሕሪ ነበር፡ ናብ ፔንታጎንን ዋይት ሃውስን መርዚ ዝሓዙ ደብዳበታት ብምልኣኽ ተኸሲሱ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







