ፈውሲ መርዚ-ተመን ንምርካብ 200 ኣትማን ክነኽስዎ ዝፈቐደ ሰብ

ቲም ፍሬድ ብጸሊም ማምባ እናተነኸሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክልተ ንጣብ መርዚ ናይ ማምባ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል

ኣብ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሸተ ደቒቕ ሓደ ሰብ ብመንከስቲ ተመን ክመውት ከሎ ካልኦት ኣርባዕተ ከኣ ነባሪ ስንክልና የጋጥሞም።

ገለ ሰባት ግና ሓደገኛ ስጉምትታት ብምውሳድ ኣብዞም ለመምታ ምርምራቶም የካይዱ።

ተቐማጢ ግዝኣት ዊስኮንሲን ኣሜሪካ፡ ቲም ፍሬድ፡ ንመስርሕ መንከስቲ ብመርዛማት ኣትማን ብቪድዮ እናሰነደ ብዩትዩብ ይዝርግሕ።

ቅጸበታዊ ቃንዛ

ቲም ፍሬድ፡ ድሕሪ መንከስቲ ተመን ክልቲኡ ኣእዳው እናደመየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ሓደ እዋን ፍሬድ፡ ብኣዝዩ መርዛም ተመን ድሕሪ ምንካሱ ሽዑ ንሽዑ ብዛዕባ እቲ ዝስምዖ ቃንዛ ንተዓዘብቱ ይገልጽ።

ኣብ ሓደ ካብቶም ቪድዮታቱ፡ ክልተሳዕ፡ ማምባ ብዝበሃል፡ ኣዝዩ መርዛም ተመን ድሕሪ ምንካሱ፡ ሽዑ ንሽዑ ናብታ ትስእሎ ካሜራ ብምጥማት ዕላሉ ይቕጽል።

"መንከስቲ ናይቲ ጸሊም ማምባ ኣዝዩ ብርቱዕ ቃንዛ ኣለዎ። ብ 1ሽሕ ኣናህብ ከም ዝተነኸስካ እዩ። ኣናህብ ሓደ ወይ ክልተ ሚሊግራም መርዚ እዩ ዘለዎም፡ ማምባ ግና ካብ 300 ክሳብ 500 ሚሊግራም መርዚ ኣለዎ።"

ብድሕሪ እዚ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ምስ ቢቢሲ ኣዕሊሉ ኣሎ።

"ብድሕሪኡ ኣካላተይ ሓቢጡ። ንዝተወሰነ መዓልታት ክድቅስ ተገዲደ። ኣዝዩ ብርቱዕ ቃንዛ ነይሩኒ" ኢሉ።

ሓደገኛን ዘይስነምግባራውን

እቶም ናይ ዩትዩብ ተዓዘብቱ ብኣድናቖት ዝከታተልዎ እኳ እንተኾኑ ካልኦት ግና ኣይከምኡን።

ቲም ፍሬድ ብተመን እናተነኸሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣካላቱ ንመንከስቲ ተመን ምጽዋር ከም ዘማዕበለ ቲም ፍሬድ ይገልጽ

"እዞም ሰባት እንታይ ይገብሩ ከም ዘለው ኣይርድኣናን'ዩ። እዚ ሓደገኛን ዘይስነምግባራውን እዩ። ምስኣታቶም ኣይንሰርሕን ኢና" ይብል ዶክተር ስቱዋርት ኣይንስዎርዝ ካብ ቤት ትምህርቲ ትሮፒካዊ ኣፋውስ ሊቨርፑል።

ትካሉ ሓደ ካብቶም ሓድሽ ኣፋውስ ጸረ ሕንዚ ኣብ ምርካብ ዝነጥፉ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደስቲ ክታበታት ኣብ ኣናጹን ካልኦት ናይ ምርምር እንስሳታትን እዩ ዝፍተን። ውሑስ ምስ ዝኸውን ጥራይ ከኣ ኣብ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ክትትል ናይ ክኢላታት ይፍተን።

"ብዙሕ ምቁጽጻር ስለ ዘየለ፡ ሰባት ንባዕሎም ይኸትቡ። እዚ ግና ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ሰብ ክገብሮ ኣይግባእን" ይብል ዶክተር ኣይንስዎርዝ።

ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሓደጋ

ፍሬድ ግና ነቲ፡ 'ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሓት ሰዓብቲ ንምርካብ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእትው ኣሎ' ዝብል ርእይቶ ብጽኑዕ እዩ ዝቃወሞ።

"ናይ ዩትዩብ ቪድዮታት ክሰርሕ ኢለ ኣይኮንኩን ዝገብሮ - ህይወት ሰባት ንምድሓን እየ ዝሰርሕ። ዩትዩብ ነቶም ሎሚ ምሳይ ዝሰርሑ ዘለው ሓካይም ንምርካብ ጥራይ እየ ተጠቂመሉ። ጠላዕ እዩ ነይሩ፡ ግና ሰሪሑ" ኢሉ።

ቲም ፍሬድ፡ ምስ ሓደ ካብ ዝዓቀቦም ኣትማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብርክት ዝበለ ግዜ ካብ ሞት ከም ዝወጸ ፍሬድ ይዝረብ

ካብ ከባቢ 3,000 ዝኾኑ ዓሌታት ኣትማን፡ እቶም ንሰባት ክቐትል ወይ ከልምስ ዝኽእል መርዚ ዘለዎም እቶም 200 ዓሌታት እዮም። ፍሬድ ድማ ንመብዛሕትኦም ኣጸቢቑ ይፈልጦም እዩ።

ፍሬድ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ናይ ኮብራ፡ ቫይፐርን ማምባን ዝርከብዎም ልዕሊ 200 መንከስቲ ተመን ተጻዊሩ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ልዕሊ 700 ግዜ ድማ መርዚ ተመን ብመርፍእ ናብ ኣካላቱ ኣስሪጹ።