'ዳብል ዴቭ' ዝተሰመየ ክልተ ዝርእሱ ተመን ተረኺቡ

ዳብል ዴቭ ክልተ ዝርእሱ ተመን

ምንጪ ስእሊ, David Schneider, Herpetological Associates

ክልተ ዝርእሱ ተመን ኣብ ጫካታት ኒው ጀርሲ ኣሜሪካ ተረኺቡ።

ሳሕቲ ዘጋጥም ምዃኑ ዝግለጽ እዚ ተርእዮ፡ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ብኽልተ ሰራሕተኛታተ ኣከባቢ ተረኺቡ።

እቲ ተመን ክልተ ርእሲ፡ ኣርባዕተ የዒንትን ክልተ መልሓስን ኣለዎ።

ተጣባቒ ኣከባቢ ዴቭ ሽነይደር እቲ ተመን ኣብቲ ጫካ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ጸቢብ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ተመን ክሃድም ክፍትን ከሎ ኣካላቱ ከም ዝደርቕ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ግዳይ ከም ዝገብሮ ዴቭ ሓቢሩ።

ሚስተር ሽነይደር ምስ መሳርሕቱ ብዛዕባ ተመን መጽናዕቲ እናኣካየዱ ብ25 ሓምለ እዮም ነቲ ተመን ዝረኸብዎ።

እቲ ተመን ዳብል ዴቭ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ክልቲኦም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዝነበሩ ተመራመርቲ ስማቶም ዴቭ ብምንባሩ እዩ።