'ዳብል ዴቭ' ዝተሰመየ ክልተ ዝርእሱ ተመን ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, David Schneider, Herpetological Associates
ክልተ ዝርእሱ ተመን ኣብ ጫካታት ኒው ጀርሲ ኣሜሪካ ተረኺቡ።
ሳሕቲ ዘጋጥም ምዃኑ ዝግለጽ እዚ ተርእዮ፡ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ብኽልተ ሰራሕተኛታተ ኣከባቢ ተረኺቡ።
እቲ ተመን ክልተ ርእሲ፡ ኣርባዕተ የዒንትን ክልተ መልሓስን ኣለዎ።
ተጣባቒ ኣከባቢ ዴቭ ሽነይደር እቲ ተመን ኣብቲ ጫካ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ጸቢብ ምንባሩ ገሊጹ።
እቲ ተመን ክሃድም ክፍትን ከሎ ኣካላቱ ከም ዝደርቕ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ግዳይ ከም ዝገብሮ ዴቭ ሓቢሩ።
ሚስተር ሽነይደር ምስ መሳርሕቱ ብዛዕባ ተመን መጽናዕቲ እናኣካየዱ ብ25 ሓምለ እዮም ነቲ ተመን ዝረኸብዎ።
እቲ ተመን ዳብል ዴቭ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ክልቲኦም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዝነበሩ ተመራመርቲ ስማቶም ዴቭ ብምንባሩ እዩ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







