ሴራሊዮን፡ ካብ እግረኛታት ብዝምንጪ ጽዓት እተብርህ ሃገር

ኣብ ሴራሊዮን ሓያል ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Roberto Nencini/Alamy

ኣስታት 75 ሚኢታዊት ህዝቢ ሴራሊዮን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምርካብ ኣዝዩ ዝተጸገመ'ዩ።

ግን ድማ ካብ ምንቅጥቃጥ [Vibration ] ጽዓት ዘመንጩ መሳርሒ ነዞም ብድኽነት ዝተቖረኑ ሕብረተሰብ ብርሃን ክህቦም ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሴራሊዮን ተወሊዱ ዝዓበየ ጀርማህ ቶሮንካ ናይ ቁልዕነት ግዝኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፍሪታውን ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ሻውል ምስ ኣዲኡ ዓብዩ።

ኣብዚ እንክቖሮም ክሞቑ፣ እንክጠምዮም መግቢ ከብስሉ ረሳሕ ፍሓምን ዝወዳደቐ ዕንጸይትን እናኣረዩ ህይወት ይደፍኡ ነይሮም።

"መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ እየ ዓብየ። ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ጀሚሩ መላእ ከባቢና ብጸልማት ይውሓጥ" ይብል ወዲ 20 ዓመት ቶሮንካ።

ቆልዓ 10 ዓመት ምስ ኮነ ኣብቲ ዞባ [ምዕራብ ኣፍሪቃ] ካብ ዘለው ብሉጻት ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ኣብ ዝኾነ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ።

"ሽዑ'የ መዓልታዊ ኣብ ክልተ ዓለም ኮይነ ይነብር ምህላወይ ዝፈለጥኩ፤ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መሊኡ ዝተትረፍረፈ ኤሌክትሪክ ነይሩ፤ መንበሪ ገዛውትና ከኣ ብኣንጻሩ" ይብል።

ኣብታ ዝነብረላ ሻውል ዘሎ ሳዕቤን ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከኣ ልዕሊ ማንም ይርድኦን ይርእዮን።

ብዙሓት ህጻናት ብምኽንያት ትኪ ብዝስዓቡ ጸገማት ስርዓተ ምስትንፋስ ተጠቒዖም፣ መብዛሕትኦም'ውን ብምኽንያት እቲ ጸገም ዕዮ ገዛ ክሰርሑ ኮነ ትምህርቶም ብኣግባብ ክከታተሉ ኣይክኣሉን።

ብዙሓት ስድራቤታት ዕንጸይትን ብላምባ ዝሰርሓ ጀነረተርን ስለ ዝጥቀሙ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ የጋጥም።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣግራብ'ውን ሰባት ዝነድድ ዕንጸይቲ ደልዮም ስለ ዝቖርጹዎ በሪሱ።

ካብዚ ብዝብገስ ዘጋጥም ምብራስ ኣግራብን ምጉሕጓሕ ከባብን ሴራሊዮን ዚያዳ ንጽልዋታት ክሊማዊ ለውጥን ሓደገኛ ውሑጅን ምህማም መሬትን ዝተቓልዐት ክትከውን ኣበርክቶ ገይሮም።

እዚ ኹሉ ድማ ቶሮንካ መፍትሒ ክእልሽ ደፊኡዎ።

"ሰባት ብዛዕባ ዝሓሸ ኣማራጺ ሓይሊ ክፈልጡን ሃብቲ ተፈጥሮ ምብራስ ደው ከብሉን ዝሕግዝ ምቹእ ስርዓት ጽዓት ክፈጥር'የ ደልየ" ይብል።

ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣውራ ጸገም ሴራሊዮን'ዩ።

እዛ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ዓለም ካብተን ዝተሓተ ቀረብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘለወን ሓንቲ'ያ።

ከም ጸብጻብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ትካል ዘላቒ ሓይሊ ንኹሉ፡ 26 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ጥራይ'ዩ ኤሌክትሪክ ዝረክብ።

ኣብ ገጠራት 6 ሚኢታዊት ሰባት ጥራይ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ኮይኖም እቲ ዝበዝሐ ብጸሓያዊ ጽዓትን ብባትሪ ዝሰርሓ ባውዛታትን ይጥቀም።

"ብተመጣጣኒ ዋጋ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክተረጋግጽ ምኽኣል ዓብዪ ጸገም'ዩ። ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ኣብ ዕብየትን ልምዓትን፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ዕድላት ትምህርትን ዓብዪ ጸገም'ዩ ዝፈጥር" ትብል ክኢላ ጽዓት ትካል ዘላቒ ሓይሊ ንኹሉ [SEforALL] ኢንግሪድ ሮህረር።

ወሲኻ "ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይረክቡ ሰባት ብውሑድ ሞባይል ቻርጅ ንምግባር ልዑል ወጻኢ ዝሓቱ ግልጋሎታት፣ ንመብራህቲ ዝጥቀምሉ ክቡር ባትሪ ወይ'ውን ላምባ [ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎም] ክጠልቡ'ዮም ዝግደዱ" ኢላ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ እቶም ስሩዕ ቐረብ ኤሌክትሪክ ይረኽቡ'ዮም ዝብሃሉ ተጠቀምቲ'ውን ብምኽንያት ትሑት መጠን ምፍራይን ምእራግ መሰረተ ልምዓትን እቲ ግድብ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ከም ዘጋጥሞም ትዛረብ።

መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ እታ ሃገር ብ1960ታት ዝተሰርሐ ኮይኑ ህጹጽ ሕድሳት ዘድልዮ'ዩ።

"እዚ ግን ውጽኢታዊ ኣይኮነን፤ ሚሊዮናት ዶላራት እናሓተተ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ከይተረፈ ካብቲ ሃገራዊ መመንጨዊ ጽዓት ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይክኣልሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ። ኣብ ገጠራት ከኣ ሰፊሕ ክፍተት ቐረብ ኣሎ" ይብል ቶሮንካ።

Thoronka began developing the piezoelectric device while he was at university in Kigali, Rwanda

ምንጪ ስእሊ, Sheillah Munsabe

ካብዚ ብዝብገስ ቶሮንካ ብውሑድ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባት ጽሩይ፣ ተጠላብን ዘተኣማምንን ሓይሊ ዝረኽብሉ ሓደ መፍትሒ ዝበሎ ምህዞ ሓሲቡ።

"ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምርካብ ሰብኣዊ መሰል እዩ፤ መብራህቲ ኣብ ዘይብሉ ሕብረሰተብ ክንነብር ኣይንኽእልን" ይብል።

ወዲ 17 ዓመት እናሃለወ ኣብ ዩዋንዳ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪካን ሊደርሺፕ ይመሃር ነይር።

ኣብዚ ምንቅስቓስ [Motion ] ዝጥቀም ሓይሊ ኦፕቲም ኤነርጂ ምሂዙ፤ እዚ እቲ ሓይሊ ዘመንጪ ኣቕሓ ምንቅስቓስ ክህሉ እንከሎ ኤሌክትሪክ ዘመንጩ'ዩ።

ካብ ዋዒ፣ ምንቅስቓስን ጸቕጥን ጽዓት ከመንጪ ዝኽእል መሳርሒ ፒዞኤሌክትሪክ እውን ምሂዙ።

እዚ መሳርሒ፡ ጽዑቅ ትራፊክን እግረኛን ኣብ ዘልሉ ጽርጊያ ክቕመጥ እንከሎ፡ እቲ መካይንን ሰባትን ዝፈጥሩዎ ምንቅስቓስ ማጽዩ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ዘኽእሎ ዓቕሚ ይፈጥር።

ኣብዚ ግዜ ዋላ ሓደ ዝቃጸል ወይ ዝወጽእ ትኪ የለን።

የግዳስ እዚ መሳርሒ ኣዝዩ ሰሓቢ ካብ ዝገብሮ ሓደ ነገር፡ ተተኺሉ'ውን ሰባት ከይፈለጡዎ ሓይሊ ዘመንጪ ምዃኑ'ዩ።

ከም ሶላርን ካብ ንፋስ ዝምንጪ ተሓዳሲ ሓይልን'ኳ እንተሃለው፡ እዚ መሳርሒ ግን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ኩነታት ኣየር ኣይጽበን፤ ኣይመርጽን'ውን።

"ጸሓይ ኩል ግዜ ኣይትወጽእን፣ ማይ'ውን ይደርቕ'ዩ፣ ዘልኣለም ከኣ ፈሓም ኣይንጥቀምን፤ ምንቅስቓስ ሰባት ግን ወትሩ ኣሎ - ጠጠው ዝብል ኣይኮነን" ይብል ቶሮንካ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘለው መምሃራኑ ኣብ ውሽጡ ብዝተፈጥረ ምልዕዓል ሕብረተሰቡ ንምሕጋዝ ዝኸዶ ርሕቐት ኣብ ዝኾነ ጽዑቕ ትራፊክ ዘለዎ ሃገር ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእል ምህዞ ወሊዱ'ዩ ይብሉ።

"እዚ መሳርሒ ተመሃሮ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንከጽንዑን ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ዲጂታላዊ ምዕባለ ክፈልጡን ዝሕግዝ'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር ዓብዪ እጃም ክህልዎ'ዩ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊደርሽፕ ሩዋንዳ ግዝያዊት መራሒት ፕሮግራም ክፍሊ ትምህርቲ ዓለምለኻዊ ማሕለኻታት ዊኒ ሙቺና።

ክኢላ ጽዓት ትካል ዘላቒ ሓይሊ ንኹሉ [SEforALL] ኢንግሪድ ሮህረር ብወገና "ዓብዪ ጸጋ መሳርሒታት ፓይዞኤሌክትሪክ ካብ ደጋዊ ምንጪ ሓይሊ ዝጠልቡዎ ባትሪ ይኹን ኤሌክትሪክ ዘይምህላው'ዩ" ኢላ።

ሻውል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕጂ ምህዞ ቶሮንካ ኣብታ ዝዓበየላ ከባቢ ኩንቶሉህ ንመጀመሪ ኣብ ረብሓ ክውዕል ተገይሩ ኣሎ።

እዚ ብኽልተ መሳርሒታት ብምጥቃም ዝተጀመረ ኣገልግሎት 1500 ሰባት ዝሓዙ 150 መራሕቲ ስድራ፣ ልዕሊ 9000 ተመሃሮ ዝመሃሩለን 15 ኣብያተ ትምህርቲ ብናጻ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለው።

ድሕሪ'ዚ ተመሃሮ ኣብ ትምህርቶም፣ ትካላት ጥዕና ድማ ኣብ ኣገልግሎተን ምምሕያሽ ከም ዘርኣዩ ቶሮንካ ይዛረብ።

ጎደናታት ከባቢኦም ብብርሃን ክፍስሁ እንከለው ሹቓት'ውን ሕጂ ብዘይ ሰኸፈት ክሳብ ምሸት ኣገልግሎት ክህቡ ክኢሎም።

ብተወሳኺ ሕጂ ሰባት ገዝኦም ንምሟቕን መግቢ ንምብሳልን ዕንጸይቲ ስለ ዘይጥቀሙ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥም ዝነበረ ብርሰት ኣግራብ ከም ዝነከየ ተመሃሪ ዩኒቨርሲቲ ኪጋሊ ቶሮንካ ይዛረብ።

"ሰባት ኣብ ከባቢኦም ዝቦቅል መፍትሒ ጸገም ይቕበሉ'ዮም። ብቐሊሉ ምስኡ ዝዛመዱ ምዃኖም እንተፈሊጦም ንክቕበሉካ ቕሩባት'ዮም" ዝብል ቶሮንካ ረብሓ ተሓዳሲ ሓይሊ'ውን ክፈልጡ ከም ዝገብር የረድእ።

ቶሮንካ በዚ ምህዞ ኣቢሉ ሕብረተሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ ተሓዳሲ ሓይልን ምክልኻል ሃብቲ ተፈጥሮን ዘለዎም ግንዛበ ክዓቢ ክሰርሕ እንከሎ፡ ምህዝኡ ዓለምለኻዊ ሽልማት'ውን ኣምጺኡሉ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሽልማት 'መንእሰይ ኮመንዌልዝ' ተቐቢሉ። እዚ ሽልማት ዓመታዊ ኩነታት መነባብሮ ሕብረተሰቦም ዘመሓየሹን ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕዋት ዝሓገዙን ተባሂሉ ንሓሙሽተ መናእሰይ ዝወሃብ'ዩ።

ቶሮንካ እቲ ዝረኸቦ ሽልማት 2800 ዶላር ኣብቲ ዝጀመሮ ፕሮጀክት ከውዕሎን ኣብ ከተማታትን ዞባታት ገምገም ባሕርን ተመሳሳሊ መሳርሒታት ተኺሉ ሓይሊ ከመንጩን መደብ ኣለዎ።

በዚ ኣብ 2030 100 ሽሕ ሰባት ተጠቀምቲ ክኾኑ ዕላማ ኣለዎ። ብተወሳኺ ኣብ ሴራሊዮን ንዘለዋ ክሊኒካት ጥዕና ቐረብ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ተስፋ ይገብር።

"ስርዓት ጥዕና እዛ ሃገር ብሕጽረት ኤሌክትሪክ ዝተጠቕዐ'ዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ብዙሕ ኣገልግሎት ኣብ ዝህባ ሆስፒታላት ኦፕቲም ኤነርጂ ክንጥቀም መደብ ኣለና" ኢሉ።

ሴራሊዮን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ስጉምቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ዝወሰደትሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ትውልዲ ዓዶም ስለ ዝኸዱ ጠለብ ጽዓት ሰማይ ዓሪጉ ልዕሊ እቲ እታ ሃገር እተመንጭዮ ኮይኑ ነይሩ ይብል ቶሮንካ።

እታ ሃገር ካብቲ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ጽልዋ ክትወጽእ እንከላ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ተሓዳሲ ሓይልን ኢንቨስት ክትገብር'ያ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።

ብዙሓት ከተማታት ይዓብያ ስለ ዘለዋ፡ ካብ ምንቅስቓስ ዝምንጪ ሓይሊ ንምጥቃም ዘኽእል ዓብዪ ዓቕሚ ኣሎ ኢሉ ይኣምን።

ኣብ ኣፍሪቃ ቑጽሪ ስራሕ ደልዮም ናብ ከተማ ዝኣትው ሰባት ይውስኽ ብምህላዩ፡ ብዝሒ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ይዓቢ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ቶሮንካ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ምንጪ ዓብዪ ጽዓት ክኸውን ዝኽእል ምንቅስቓስ ይባኽን'ዩ ዘሎ። ስለዚ እዚ ምንጪ ጽዓት ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ" ይብል።