ብኢትዮጵያዊ ዝተማህዘ፡ ብመልክዕ ጨርቂ ዝተዳለወ ሳሙና ኢድ

ምንጪ ስእሊ, FEYSEL
ኢትዮጵያዊ መሃዛይ ፈይሰል ያሲን፡ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ክሕግዝ ዝኽእል ሳሙና ኢድ ብመልክዕ ጨርቂ ኣዳልዩ።
ፈይሰል ያሲን ኣብ ናይ ውልቁ (ብሕቱ) ስራሕ ዝተዋፈረ ኮይኑ፡ ብ 'ቢዝነስ ኣድሚንስትሬሽን' ካልኣይ ዲግሪ ኣለዎ። ንዝመሃዞ ሳሙና ኢድ 'ማይ ሶፕ' [ናተይ ሳሙና] ዝብል ስም ሂብዎ'ሎ።
እቲ ሳሙና፡ ኮሮናቫይረስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ረኽሲ ዘኸትሉ ባክተሪያታትን ቫይረሳትን ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ይዛረብ።
ፈይሰል፡ ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ተጠቒምካ ዝድርበን ንምሓዙ ዝምቹን ሳሙና ከምዝመሃዘ ይገልጽ።
ፈለማ ኣልኮል፣ 'ሶዲየም ለውሮት ሰልፌት፣ ዝተጸሞቐ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ 'ግሪስሊን' ዝባሃል ፈሳስን ብምጥቃም ፈሳሲ ሳሙና ዝመስል ውሁድ የዳሉ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ 'ግሪስሊን' ምሕዋስ ዝደለየሉ ምኽንያት ነቲ ፍርያት ዝጥቀሙ ሰባት ኣእዳዎም ልስሉስ ንክኸውን'ዩ።
ነቲ ውሁድ ዘዳልወሉ መገዲ ካብ ሳይንሳዊ ጽሑፋትን ኣብ ቬትናም ዝተገበረ መጽናዕትን ዝረኸቦ ሓሳብ ከምዝወሰደ ዝዛረብ ፈይሰል "ኣብ ቬትናም ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ጽማቝ ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ እቲ መጽናዕቲ የረድእ" ይብል።
ንሱ ዘዳለዎ ውሁድ፡ ኣብ መስርሕ ፍተሻ ላቦራቶሪ ከምዝርከብ'ውን ገሊጹ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ነቲ ጨርቂ ኣብቲ ዘዳለዎ ወሁድ ፈሳሲ ሳሙና ብምእላኽ ራሕሲ ብዘለዎምን ብደረቕን የዳልዎ። ነቲ ብመልክዕ ጨርቂ ዝተዳለወ መሕጸቢ ኢድ ክጥቀም ዝደለየ ሰብ ድማ፡ ብማይ ክጥልቅይ ገይሩ ኣእዳዉ ይሕጸበሉ።
መበገሲምህዞ
ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣእዳው ብሳሙና ምሕጻብን ብጸረ-ታህዋስ ኬሚካላት ዝተኣለኹ ፈሳስታት ምጥቃምን ብቐዳምነት ይስርዑ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝርከቡሎም ቦታታት፡ ሓደ ሳሙና እናተቐባበልካ ምጥቃም፤ ምስ ኩነታት እቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ዝመርጽዎ ኣይኮነን።
ፈይሰል ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ ናብ ምህዞ ዝኣተወ። ብብዝሒ ኣፍርዩ ናብ ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ድልየት ኣለዎ።
"ብፍላይ ተምሃሮ ነብሲወከፎም ሳሙና ሒዞም ክንቀሳቐሱ ስለዘይክእሉ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህዞይ ብስፍሓት ንኽጥቀሙ እሰርሕ ኣለኹ" ይብል።
ነቲ ምህዝኡ ብስፍሓት ኣፍርዩ፡ ኣብ ሆስፒታላት፣ ኣብያተ መግብን ካልኦት ኣጋልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታትን ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዝገበር ሓቢሩና።
ቤት ጽሕፈት ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣድሂቦም ንዝተማሃዙ ምህዞታት ይምዝግብን ኣፍልጦ ይህብን ዘሎ ኮይኑ፡ ፈይሰል ንምዝህኡ መሰል ዋንነት ከምዝረኸበሉ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት መርማሪ ‘ፓተንት’ ኣይተ ጌታቸው ጣፋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







